Thursday , May 2 2024
Foto: Jessica Gow / TT kod 10070

ኣብ ስቶክሆልም ክልተ ምፍንጃራት ኣጋጢሙ።

ሎሚ ንግሆ፡ ኣብ ስቶክሆልም ኣብ መእተዊ ብሎክ ግርምስታን ኣጋርሞሰን ክልተ ምፍንጃራት ከም ዘጋጠመ ተገሊጹ። በዚ ምፍንጃር ዝተጎድአ ሰብ ብዛዕባ ምህላዉ እተፈልጠ ነገር የለን። እንተኾነ ግና ህንጻ ግሪስምስታ ዘይነዓቕ ዕንወት ወሪድዎ’ሎ።

ምስዚ ምፍንጃር ብዝተተሓሓዝ፡ ሓሙሽተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ክኣትዉ እንከለዉ፡ ፖሊስ ነዚ ምፍንጃር ኣብ ዋዜማ ሓድሽ ዓመት ኣብ ቫሊንቢ ምስ ዘጋጠመን ህይወት ዝቐዘፈን ናይ ብረት መጥቃዕቲ ርክብ ኣለዎ እንተኾይኑ ንምምርማር ተዋፊሮም ምህላዎም ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com