Thursday , May 2 2024

ኣብ ስቶክሆልም ዝርከብ እስላማዊ ነጻ ቤት ትምህርቲ ክዕጾ እዩ

Credit: Fredrik Sandberg

ኣብ ሰሜን ስቶክሆልም ኣብ እትርከብ ኪስታ ዝነበረት “ኮርዶባ ኢንተርናሽናል ስኩል” ዝስማን ብናጻ እስላማዊት ሃይማኖታዊ ምህሮ እትህብ ትካል ብሰንኪ ስግኣታት ኣኽራርነት፥ ቅድሚ ምማር ትምህርቲ ጽድያ ክትዕጾ እያ ተባሂሉ። በዓልመዚ ምቊጽጻር ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን ፡ ካብ ኣገልግሎት ስለያ እታ ሃገር ‘ሳፖ” ብመሰረት እዝተዋህቦ መጠንቀቕታ፡ ፍቓድ እታ ቤት ትምህርቲ ስሒቡ’ሎ። ሳፕ ነዚ መጠንቀቕታ ዘውጽኣሉ ምኽንያት ኣብ ምሕደራ እታ ቤት ትምህርቲ ዝነጥፉ ውልቀሰባት ምስ ጥሩፋት ጎነጻውያን ኣስላማውያን ውድባት ርክብ ከም ዘለዎም ብምግላጽ እዩ። ኣብታ ቤት ትምህርቲ ዝመላለሱ ህጻናት ቆልዑን መንእሰያትን ጥሩፋዊ ተሓሳስባ ከማዕብሉ ዝገብር እዩ ዝብል ስግኣት ከም ዘሎ ሳፖ ወሲኹ ኣተሓሳሲቡ’ሎ። ወነንቲ እቲ ቤት ትምህርቲ ብወገኖም፡ ነዚ ተማሃሮ ኣኽራሪ መትከል ክሰርጾም ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ሳፖ መሰረት ዘይብሉ ክብሉ ነጺጎሞ’ለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com