Sunday , May 5 2024
Vaccine clinic in San Sebastián in northern Spain. (AP Photo/Alvaro Barrientos) AB203

ኣብ ስጳኛ፡ ኣዚዩ  ልዑል ዝኾነ መጠን መልከፍቲ ተመዝጊቡ

ካብ ዓርቢ ክሳብ ሶኑይ ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ኣብ ስፓኛ፡ ልዕሊ 200 ሽሕ ዝኾኑ ሓደስቲ ግዳያት መልከፍቲ ኮቪድ ከምዝተመዝገቡ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ፡፡

ቁጽሪ መልከፍቲ ኣብ ስጳኛ ኣብ ውሽጢ 14 መዓልታት፡ ካብ 100.000 ነበርቲ ልዕሊ 1.200  በጺሑ። እዚ ድማ፡ ድሕሪ መጋቢት 2020፡ እቲ ዝለዓለ ኣሃዝ ከምዝኾነ ጋዜጣ ኤል- ፓሪስ ጸብጺባ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ እቲ ዝለዓለ ቁጽሪ ናይ`ቶም በዚ ሕማም `ዚ ዝተለኽፉ ሰባት ኣብ ወርሒ ጥሪ  ዝተመዝገበ ኮይኑ፡ ማለት ኣብ ነፍስ-ወከፍ 100.000 ነበርቲ 900 ሕሙማት ከም ዝተረኽቡ `ዩ ተሓቢሩ፡፡

እቲ በብግዚኡ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዝርጋሐ መልከፍቲ ኮቪድ፡ ብቐንዱ ብሰንክ `ቲ ኦሚክሮን ዝተባህለ ጅር ቫይረስ ዝሰዓበ ከም ዝኾነ እዩ ዝእመነሉ፡፡ ሓያሎ ዞባታት ስጳኛ ከኣ ዝርጋሔ ናይቲ ቫይረስ እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ንምሕባር፡ ኣብ`ዚ ሓድሽ ዓመት፡ ተወሰኽቲ ቀይድታት ኣተኣታትየን ኣለዋ፡፡ ንኣብነት ኣብ ኣራጎንን ናቫረን ኣብ ኣብያተ-መግብን ባራትን ከምኡ`ውን ለይታዊ ትልሂታት ውሱን ናይ ምኽፋት ሰዓታት ጥራይ እዩ ዝፍቀድ፡ ፡ ካለኦት ዞባታት `ዉን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ምውሳደን ይፍለጥ።

ዋላ`ኳ ቁጽሪ ናይቶም ሕክምናዊ ክንክን ዘድልዮም ሰባት ይውስኽ እንተሎ፡ ምስቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ዝለዓለ ቁጽሪ ክነጻጸር እንከሎ ግን ብተዛማዲ ውሑድ እዩ ኔሩ፡፡ ኣብ`ዚ ቀረባ መዓልታት ዉን 120 ሰባት ብኮቪድ-19 ከም ዝሞቱ እታ ጋዜጣ ብተወሳኺ ጸብጺባ ኣላ፡፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com