Friday , May 3 2024
A truck that overturned in the slip north of Röke outside Hässleholm is towed in heavy snowfall on Tuesday evening. Foto: Johan Nilsson / TT / Kod 50090

ኣብ ሽወደን፡ ኣውሎ ንፋስ ከም ብሓድሽ ከጋጥም ትጽቢታት ኣሎ

ሎሚ ሓሙስ፡ ኣብ ሽወደን፡ ትሑት መጠን ጸቕጢ (low pressure) ክረአ ከምዝኽእልን እዚ ድማ ንፋስን ጠልን ከም ዘስዓብ ተገምጊሙ ኣሎ። ኣብ ሓደ ካልኢት ክሳብ 21 ሜትሮ ዝህንደድ ጸፍዒ ናይ ንፋስ በቲ ገማግም ናይ ኖርላንድ ከጋጥም ትጽቢት ተገይሩ ኣሎ ክብል ቤት ጽሕፈት ሓበሬታ ኩነታት ኣየር (SMHI) ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

SMHI ብሰሉስ፡ ንገማግም ደቡብን ምዕራብን ኣመልኪቱ ብጫ ብርኪ ናይ መጠንቀቕታታት ከምዝኣወጀን ከምኡ’ውን  ንብሌኪንየን ሰሜን ምዕራብ ስኮነን ኣመልኪቱ ከቢድ ውርጪ ከጋጥም ከም ዝኽእል ናይ ብጫ መጠንቀቕታ ከም ዘውጸኣ ተፈሊጡ’ሎ። እዞም መጠንቀቕታታት ንሮቡዕ ከምዘለዉዎ ክቕጽሉ ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ።

ብሓሙስ፡ ሓድሽ ትሑት መጠን ዘለዎ ጸቕጢ ኣብ ዳርጋ ምልእቲ እታ ሃገር ስለዝኣተወ፡ ተወሳኺ ንፋስን ጠልን ከምዘጋጥም ትጽቢት ከምዘሎ ተፈሊጡ።

 “ሓሙስ ድሕሪ ቐትሪን ምሸትን ኣብታ ሃገር ዳርጋ ብምልእታ ውርጪ ክህልወና እዩ። ርሕቕ ኢሉ ኣብቲ ናይ ከባቢ ደቡብ ዝርከብ ገማግም ማይን በረደን ይወቅዕ ኣሎ” ክብል ኣብ SMHI ተረኛ ሜትሮሎጊስት ዝኾነ ሊኑስ ካርልሶን ኣብሪሁ።

ብዓርቢ፡ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ልዑል መጠን ዘለዎ ምውቕ ኩነታት ኣየር፡ ከምኡ ድማ፡ ኣብ ጎትላንድን ስቬያላንድን፡ ውርጪ ናብ ዝናብ ክቕየር ከም ዝኽእል ትጽቢታት ኣለው። ኣብ ኖርላንድ፡ እቲ ውርጪ ክሳብ ዓርቢ ብምቕጻል ናብ ቀዳም ለይቲ’ውን ከምዝሰጋገር ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብ ገለ ገለ ቦታታት ገዚፍ መጠን ናይ ጠሊ ዘሎ ይመስል። ዝመጽእ ዓርቢ፡ ኣብ ሰሜናዊ ገማግም ኖርላንድ፡ ኣብ ሓደ ካልኢት ክሳብ 21 ሚትሮን ካብኡ ንላዕሊ ክውንጨፍ ዝኽእል ዝሓየለ ንፋስ ከጋጥም ትጽቢት ከም ዘሎ ተፈሊጡ’ሎ።

ከም ሊኑስ ካርልሶን እንተኾይኑ፡ ትሑት መጠን ናይ ጸቕጢ ናብታ ሃገር ምስ ኣተወ ሓድሽ ናይ ኩነታት ኣየር መጠንቀቕታ ደወል ከምዝስማዕ ትጽቢት ተገይሩ ከም ዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com