Friday , May 3 2024

ኣብ ሽወደን፡ ክፍሊት መልዕሎ (ጡሮታ) ዝተፈላለየ እዩ ተባሂሉ

ኣብ ሽወደን፡ ኣብ መንጎ እቶም ኣብዚ ሃገር ዝተወልዱን ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝተወልዱ ጡረተኛታት፡ ዝረኽብዎ  ናይ መልዕሎ ደሞዝ፡ ኣዝዩ ከምዝፈላለ ሓደ መርመራዊ ጸብጻብ ጋዜጠኝነት ምርኩስ ዝገበረ ሓበሬታ ብምውካስ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ኣከፋፍላ ደሞዝ መልዕሎ፡ ኣብ መንጎ እዞም ዝተጠቕሱ ጡሮተኛታት፡ ብውሑዱ ናይ ሓሙሽተ ሽሕ ክሮነር ፍልልይ ከምዘሎን፣ በዚ ኸኣ በዓል መዚ ጉዳያት ጡረታ ሽወደን፡ በቲ ፍልልይ ከምዝተገረመ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።

ኣብ ሽወደን፡ ጽቡቕ ወይ ከኣ እቲ ምዕሩይ ዝባሃል ክፍሊጥ መልዕሎ ንምርካብ፡  30 ዓመት ዝኣክል ካብ ዕድሜኻ ብስሩዕ ተቖጺርካ ይኹን ብካልእ ኣገባብ ስራሕ፡ እቶት ክህልወካ ሕጊ ከምዝእዝዝ ይፍለጥ።

ብዙሓት ትዉልዲ ወጻኢ ዘሎዎም ሰባት፡ ደንጎዮም ኣብ ስራሕ ዓለም ስለዝዋፈሩን ዝረኽብዎ ስራሕን ዉዕላትን ከምኡ እዉን ዓቐን ደሞዞም ኣብ ክፍሊት መልዕሎ ከምዝጸልዎም እቲ ሓበሬታ የረድእ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com