Sunday , May 5 2024

ኣብ ሽወደን ብልሽውና ይውስኽ ኣሎ ተባሂሉ

Credit: Martina Holmberg / TT

ሽወደን ኣብ ዓመታዊ ደረጃ ኣህጒራዊ ርድኢት ተሓታትነት ብልሽውና ዝጸንሓ ደረጃ ትሕት ምባሉ ተገሊጹ። እቲ መዐቀኒ ኣብ መላእ ዓለም ብዛዕባ ዝረአ ዘሎ ብልሽውና መንግስታዊ ጽላት ሓፈሻዊ ዝርዝር ዝህብ እዩ። ሽወደን ካብ 100 82 ነጥቢ ብምምዝጋባ ካብ ሃገራት ኖርዲክ ካልኣይ ዝተሓተ ደረጃ ሒዛ’ላ። ምስ ካልኦት ሃገራት ዓለም ክነጻጸር ከሎ ግን ሽወደን ሕጂ’ውን ኣብ ልዑል ደረጃ እትርከብ ሃገር እያ። ድሕሪ ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ደውታ ከተማ ስከለፍተዮ ዕብየት ተመዝግብ ኣላ ተባሂሉ። እቲ ምምሕዳር ከተማ ክሳብ 2030 25% ዝያዳ ነበርቲ ክህልዉዋ ብምሕሳብ ምንቅስቓስ ትገብር ኣላ። ካብ ማእከል እታ ከተማ ንደቡብ ቁሩብ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ዓቢ ፋብሪካ ስራሕ ካብ ዝጅምር ንደሓር እታ ከተማ ዓበይቲ ለውጢታት ተመዝግብ ኣላ። ብተመሳሳሊ ዜና ካብ ካልኣይ ደረጃ ፕሮግራም ሞያ ዝተመረቑ መንእሰያት ኣብ ዕዳጋ ሽቕለት ሽወደን ኣዝዮም ተደለይቲ ይኾኑ ምህላዎም ጸብጻብ ትካል ኣስራሕቲ ትካል ኮንፈደረሽን ሽወደን ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com