Saturday , May 4 2024

ኣብ ሽወደን ንቕትለት ጸሊም ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ዝኹንን ሰልፊ ይካየድ ኣሎ።

ድሕሪ እቲ ኣብ ኣሜሪካ ብዘይተደለየ ጎነጽ ኣኽበርቲ ጸጥታ ሂወቱ ዝሰኣነ ጸሊም ኣሜሪካዊ ዜጋ ጸረ ኣድልዎን ዘይተደለየ ኣጠቓቕማ ጎነጽ ሓይልታት ፖሊስ ብምቅዋም፣ ኣብ ዝበዝሐ ከተማታት ኣሜሪካ ጎነጻዉን ዘይጎነጻዉን ሰለማዊ ሰልፍታት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ሽወደን እዉን ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ኣሜሪካ ብኣካልን ብርሕቀት ዲጂታላዉን መገዲ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ። ተንቀሳቓሲት ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያት ኣይሻ ጆንስ ሂወት ጸለምቲ ትርጉም ኣሎዎ ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ 60 ሰባት ብዲጊታል ብቐጥታ ዝተሳተፍዎ ወደብቲን ዕዱማት ተዛረብቲ ኸኣ ብእካል ዝተሳተፍዎ ሰልፊ ብምዉዳብ ፣ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ዝግበር ኣድልዎን ሕማቕ ኣታሓሕዛን ኣብ ሽወደን ይኹን ኣብ ኣሜሪካ ግድነት ክቕየር ከምዘሎዎ ኣታሓሳሲባ። ምስዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ዜና ናይቲ ዝሓለፈ ሰሙን ብጎነጽ ፖሊስ ዝሞተ ኣሜሪካዊ ቀንዲ ዝሞተሉ ጠንቂ ንምምርማር ዝተኣዘዘ ምርመራ ወግዓዊ ኮይኑ ከምዘሎን እቲ ግዳይ ብሰንኪ እቲ ዝወረዶ ምዕፋን፣ ብሕጽረት ትንፋስ ከምዝሞተ ወግዓዊ ኮይኑ ኣሎ። በዚ መሰረት እቲ ድሮ ተታሒዙ ዘሎ ፖሊስ ብቐዳማይ ደረጃ ቅትለት ክኽሰስ መታሓሳሰቢ ቀሪቡ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com