Wednesday , May 1 2024

ኣብ ሽወደን ኣትከኽቲ ይውሕዱ – ሕሙማት መንሽሮ ሳንቡእ ግን ኣይንኪን ኣሎ።

Credit: isabell Höjman/TT

ኣብ ሽወደን ምስቲ ኣዝዮም ብዙሓት ደቂተባዕትዮ ኣትከኽቲ ዝነበሩሉ ዓመታት 1960ታትን 70ታትን ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝወሓዱ ኣትከኽቲ ምህላዎም ተሓቢሩ። እዚ ይዂንምበር ቁጽሪ ሕሙማት መንሽሮ ሳንቡእ ግን ልዑል ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ፡፡ ብፍላይ ገለ ዓይነታት መንሽሮ ሳንቡእ ብጭቡጥ ከምዝወሰኸ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኡሜዮ ዝተገብረ ሓድሽ መጽናዕቲ ይሕብር። ኣብ መንጎ ምትካኽ ሽጋራን መንሽሮ ሳንቡእን ዘሎ ምትእስሳር ንጹር እዩ። እንተኾነ ግን ካብቲ ኣቐዲሙ ዝተሓሰበ ዝያዳ ዝተሓላለኸ ክኸውን ይኽእል እዩ ይብል ላዕለዋይ ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ኡሜዮ ቤንግት ጃርቭሆልም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com