Sunday , May 5 2024

ኣብ ሽወደን 62 ሽሕ ሰባት ምስ ጕጅለታት ገበን ምትእስሳር ኣለዎም ተባሂሉ

Credit: Jonas Ekströmer/TT

ኣብ ሽወደን 62,000 ሰባት ኣብ ጕጅለታት ገበነኛታት ከም ዝንቀሳቐሱ – ወይ ምስኦም ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም ተሓቢሩ። ልዕሊ 5000 ካብዚኣቶም ትሕቲ ዕድመ እዮም። እዚ ኣሃዛት ሎሚ ፖሊስ ሽወደን ምስ ሚኒስተር ፍትሒ ጉናር ስትሮመር ብሓባር ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ እዩ ቃልዕ ተጌሩ። እዚ እናኾነ ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ዩክሬናውያን ስደተኛታት ብዛዕባ መጻኦም ተስፋን ሻቕሎትን ዝተሓዋወሶ ስምዒት ከም ዘለዎም ይግለጽ ኣሎ። ኦሌክሳንድራ ቤልያቭስካን ንእሽቶ ወዳን ኣብ መስከረም 2022 እዮም ናብ ሽወደን መጺኦም፡፡ ኣብ ደቡባዊ ዩክሬን ካብ ዝርከብ ማይኮላይቭ ዝሃደሙ እዞም ስደተኛታት፥ ዩክሬን ኣብ ልዕሊ ወራሪ ሰራዊት ሩስያ ክትዕወት ​​እያ ዝብል ተስፋ እኳ እንተለዋ፥ ከም ኲለን ናብ ሽወደን ዝኣተዋ ኣደ ቆልዑ ብዛዕባ መጻኢኣ ካብ ምሽቓል ዓዲ ውዒላ ከም ዘይትፈልጥ እያ ትገልጽ። “ናብ ዩክሬን ክምለስ ዝደሊ ብዛዕባ ምዃነይ ርግጸኛ ኣይኮንኲን፥ ምኽንያቱ 2 ዝዕድሜኡ ወደይ ሽወደንኛ ክዛረብ ጀሚሩ’ሎ። ኣብዚ ኣዕሩኽ ጌሩ እዩ፡፡ ሃንደበት ኲሉ ነገር ክቕየር ምዃኑ ንወደይ ንምንጋር ድፍረት ክረክብ ድየ ኣይፈልጥን” ትብል።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com