Thursday , May 2 2024
Foto: Kicki Nilsson / TT / kod 11380

ኣብ ቀዳመ ሰንበት ዋዜማ ፋስጋ እተራእዩ ናዕቢ ብዓይነቶም ፍልይ ዝበሉ እዮም ተባሂሉ።

ዋና ሓላፊ ፖሊስ ኣንደርሽ ቶርንበርግ፡ ብቕድሚ ትማል ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ቅድሚ ሕጂ ጎነጻዊ ናዕቢታት ተራእዮም እኳ እንተኾኑ፡ እዞም ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ሸወደን ኣብ ቀዳመ ሰንበት ዋዜማ ፋስጋ እተራእዩ ግና ብዓይነቶም ፍልይ ዝበሉ እዮም ኢሉ።

እዞም ኮነ ኢሎም ን ፖሊስን ጒጅለታት ኣገልግሎት መድሕንን ሸቶ ብምግባር ዘጥቅዑ ዝነበሩ ሰባት ምስ ጒሒላትት ምትእስሳር ዘለዎም እዮም ዝብል ብርቱዕ ጥርጣረ ከም ዘለዎም ቶርንበርግ ገሊጹ’ሎ። ሓላፊ ፖሊስ ማልም ፔትራ ስተንኩላ ብወገኑ ፖሊስ ነቲ ሕሉፍ የማናዊ ዜጋ ሽወደን ዝኾነ ዴንማርካዊ ፖለቲከኛ ፍቓድ ሰልፊ ምሃቦም ንዝቐረበ ነቐፌታ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ ሓሳብካ ምግላጽ ኣብ ቅዋም ሽወደን ዝሰፈረ መሰል እኳ እንተኾነ እዚ መሰል ንጸጥታን ህይወትን ካልኦት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እንተኾይኑ ግና ክኽልከል ከም ዝኽእል ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com