Saturday , May 4 2024

ኣብ ቅድመ ትምህርቲ ብከላ ኣየር ዝዕቅና ምምሕዳራት ከተማ ዝወሓዳ እየን ተባሂሉ

Credit: Per Kudo/Sveriges Radio

ኣብ ሽወደን ካብ ዓሰርተ ምምሕዳራት ከተማ ደረጃ ብከላ ኣየር ኣብ ቅድመ ትምህርቲ ዘለዎ ከባቢታት ዝዕቅና ካብ ሓደ ዝውሕዳ ምዃነን ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪቱ። ፍርቂ ካብተን ኣገልግሎት ቅድመ-ትምህርቲ ዝህባ ትካላት ጽሬት ኣየር ከባቢ ንጥዕና ህጻናት ሓደገኛ ክኸውን ኣብ ዝኽእለሉ ቦታታት ዝርከባ ምዃነን ነዚ ዳህሳስ ኣተሓሳሳቢ ዝገብር እዩ። በዚ ድማ ክኢላታት፥ ምምሕዳራት ከተማ ኣብ ቅድመ ትምህርቲ ዝሓሸ ዳህሳስ ጽሬት ኣየር ዘይብለን ምዃነን ብምምልካት ነቒፎም ኣለው። እዚ እናኾነ ኣብ ዮተቦሪ ኣብ ዝርከብ መዘናግዒ ፓርክ ሊዝበርግ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ፕሮጀክት ፓርክ ማይ ኦሽያና ክሰርሕ ዝጸንሐ ዳይረክተር ፈጠራዊ ዳይረክተር ዴቪድ ስኮፊልድ እቲ ፓርክ ዳግማይ ክህነጽ ኣለዎ ኢሉ ከም ዝሓስብ ገሊጹ። ብ12 ለካቲት መናፈ ሻማይ ኦሽና ንህዝቢ ክትክፈት ሒደት ኣዋርሕ ምስ ተረፎ ብዘጋጢሞ ዓቢ ባርዕ ከም ዝዓነወ ዝዝከር እዩ። ገለ ሰባት እቲ ፕሮጀክት ክተርፍ ጻውዒታት ምቕራቦም ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ስኮፊልድ ግና ኣቲ መናፈሻ ንዝኽሪ እቲ ኣብኡ ዝሞተ ዓርኩን መሳርሕቱን ክኸውን ብምባል “ክቕጽል ከም ዝደሊ” ኣመልኪቱ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com