Monday , May 6 2024

ኣብ ትግራይ፡ 131 ሽሕ ሰባት ተመዛቢሎም

131 ሽሕ ዝኾኑ ሰባት ኣብ 39 ዝተፈላለያ ክብጻሓ ዝኽእላ ቦታታት ክልል ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋር ተመዛቢሎም ምህላዎም ኣህጒራዊ ውድብ ስደተኛታት (IOM) ገሊጹ።

እዚ ዳታ፡ ብዲስፕሌስመንት ትራኪንግ ማትሪክስ ዝተባህለ ኣብ ኣህዛብ ዝወርድ ጉድኣትን ጠለብ ረድኤትን ዘጽንዕን ዝትንትንን ትካል ዝተረኽበ እዩ። ብመሰረት IOM፡ ዛጊት 30,383 ስድራቤታት ተፈናቒለን ኣለዋ። ዝተመዛበሉ ቆልዑን ኣንስትን ናይ መግቢ፡ መጽለልን ጽሩይ ዝስተ ማይን የድልዮም እዩ ክብል IOM ገሊጹ’ሎ። እዚ ኣሃዝ ንጠቕላላ ቊጽሪ ተመዛበልቲ ኣይውክልን እዩ። እዚ ነቲ ውድብና ክበጽሖ ዝኽኣለ ቦታታት ጥራይ ዝውክል ኣሃዝ እዩ ክብል IOM ኣስሚሩሉ’ሎ።

ኣብ መንጐ መንግስቲ ፈደራልን ክልል ትግራይን ዝነበረ ግርጭት ኣብ 4 ሕዳር ናብ ምሉእ ኲናት ዓሪጉ ኣብ ሲቪላውያን ብዙሕ ጒድኣት ምውራዱ ጸብጻባት የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com