Friday , May 3 2024
The conflict in ethiopia's Tigray region has been going on for 14 months. In the photo, the military forces of the central regime parade (AP Photo/Jamejam Online, Chavosh Homavandi, File)

ኣብ ትግራይ ዘለዋ ትካላት ረድኤት፡ ስርሐን ደው የብላ

ብመጥቃዕቲ ድሮን ዓሰርተታት ሰላማውያን ሰባት ድሕሪ ምሟቶም ኣብ ክልል ትግራይ ዝዓያ ዝነበራ ትካላት ረድኤት ስርሐን ደው ምባለን UN ኣፍሊጡ።
ብሰንኪቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ድሮን ንጥፈቶም ደው ኸብሉ ከም እተገደዱ ወኪል ሰብኣዊ ረድኤት UN ኦቻ ኣፍሊጡ’ሎ።
ብሰንኪቲ ኣብ ልዕሊ ካብ መንበሪኦም ተፈናቒሎም ዝነበሩ ተጋሩ ዕላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ድሮን፡ 56 ሰባት ምሟቶምን ካልኦት ብዓሰርተታት ዝቚጸሩ ድማ ኣካላዊ መጒዳእቲ ከም ዝወረዶምን እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ኣመልኪቱ። እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ኣፈኛ ህወሓት ጌታቸው ረዳ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ትግራይ ሓድሽ መጥቃዕቲ ምጅማራ ኣብ ዝገልጸሉ ዘሎ እዋን እዩ። መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ክሲ ዛጊት መልሲ ኣይሃበሉን። ሓይልታት ኢትዮጵያ፥ ኤርትራን ሚሊሻ ክልል ኣምሓራን ኣንጻር ትግራይ ክዋግኡ ምጽንሖም፥ በዚ ድማ ኣሽሓት ሰባት ምሟቶምን ጸብጻባት የመልክቱ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com