Sunday , May 5 2024
Parents and children line up outside George B. Armstrong International Studies Elementary School (Ashlee Rezin Garcia/Chicago Sun-Times via AP) ILCHS615

ኣብ ቺካጎ፡ ቤት ትምህርትታት ይዕጸው

ቤት ትምህርትታት ናይ ቺካጎ፡ ብተኸታታሊ ንኻልኣይ ግዜ ከምዝተዓጽው ተሓቢሩ። ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ህብረት ናይ መማህራንን መራሕቲ ቤት ትምህርትታትን፡ ብርሕቀት ዝግበር ናይ ምምሃር መስርሕ ‘ይተግበር’ዶ፡ ወይ ከኣ ይትረፍ’ ኣብ ዝብል ዛዕባ ዘይምርድዳእ ከምዝተፈጥረ ተሓቢሩ። እዚ ብዝሒ ናይዞም ተምሃሮ፡ ካብታ ሃገር እቲ ብዕብየት 3ይ ከምዝኾነ ዝንገረሉ ኮይኑ፡ ኣስታት 350,000 ከምዝኾነ ተገሉጹ’ሎ።
መማህራን፡ ብሰንኪ እቲ ኣብዚ እዋን ዝርአይ ዘሎ ኣዝዩ ሓያል ናይ መልከፍቲ ብርኪ፡ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ከምህሩ ከምዘይደልዩ ገሊጾም ኣለው።
“ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ብኣካል ተረኺብና ከነምህር ምደለና፥ እቶም ቤት ትምህርትታት’ውን ክኽፈቱ ንደሊ ኢና። ኮይኑ ግና ኣብዚ ሕጂ እዋን ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ፡ እተን ሆስፒታላት ብሕሙማት ኣዕለቕሊቅቐናሉ ኣብዘለዋ፡ ኣብ ኣዝዩ ሓያል ማዕበል መልከፍቲ ናይ ቫይረስ ኢና ንርከብ ዘለና” ክብል ናይቲ ሕብረት ፕረዚደንት፡ ጀሴ ሻርኪይ ኣብ ዘቕረቦ መግለጺ ሓቢሩ።
መራሕቲ ቤት ትምህርትታት ብተርኦም፡ ሕማቕ ውጽኢታት ናይ ተምሃሮ፣ ምንካይ ተሳትፎ፣ እንዳወሰኸ ዝኸይድ ናይ ዘይምምዕርራይ ኩነታትን ኮምኡ ድማ ኣእምሮኣዊ ሕማምን ስለዝስዕብ፡ እዚኦም ኩነታት ብዝፈጥሩዎም ግርጭታት ናብ ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ኣሰራርሓ ክምለሱ ከምዘይደልዩን እዚ ምግባር ከምዝጽግሞምን ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ናይ ሕቡራት ሃገራት አሜሪካ ዝርከቡ ቤት ትምህርትታት ይገልጹ ኣለው።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com