Thursday , May 2 2024

ኣብ ናይጀርያ: ብምጥሓል ጃልባ: ዓሰርተታት ሰባት ሞይቶም

ኣብ ስሜናዊ ምዕራብ ናይጀርያ: 160 ሰባት ጽዒና ኣብ ሩባ ኒጀር ትጓዕዝ ዝነበረት ጃልባ ብምግልባጣ: ዓሰርተታት ሰባት ከም ዝሞቱ: ሰብመዚ እቲ ከባቢ ገሊጾም።

እዛ ጃልባ: ካብ ማእከላይ ናይጀርያ ተበጊሳ: ናብ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ እታ ሃገር ትርከብ: ኬቢ ስቴት: ትጓዓዝ ምንባራ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ: ትማል ረቡዕ ምጥሓላ ሓላፊ ምምሕዳር ንጋስኪ: ዓብደልሃዲ ቡሃሪ ዋራ: ገሊጹ። ኣብቲ ቦታ: ናይ መድሕን ስርሒት እኳ ይካየድ እንተሎ: ዛጊት 22 ዝደሓኑን ሓደ ሬሳን ጥራይ እዩ ተረኺቡ ዘሎ ክብል: ዋራ: ገሊጹ። በዚ ድማ ዛጊት ናይ 140 ሰባት ሬሳ: ኣብ ምድላይ ከም ዘለዉ ሓቢሩ።

እዛ ጃልባ: ብሰንኪ ዘድሊ ስሩዕ ጽገና ዘይምግባራን: ካብ ዓቐን ንላዕሊ ጽዕነት ብምስካማን: ጠንቂ ምጥሓላ ክኸውን ከም ዝኽእል ተገሊጹ።

ካብ 80 ንላዕሊ ሰብ ክትጽዕን ዘይግባኣ ጃልባ: ብዘይካ ሰባት ካብ ዕደና ዝተረኽበ: ወርቂ ዝመለአ ክሻታት እውን ጽዒና ምንባራ ሰብመዚ ገሊጾም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com