Saturday , May 4 2024

ኣብ ኖርወይ፡ 13 ሽማግለታት ክታበት ጸረ ኮሮና ድሕሪ ምኽታቦም ከም ዝሞቱ ተሓቢሩ

ኣብ ኖርወይ ዝርከብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ክእለዩ ዝጸንሑ 13 ሽማግለታት፡ ጸረ ኮሮና ክታበት ድሕሪ ምውገኦም ከምዝሞቱ ንመርበብ ሓበሬታ ኖርወይ ብምጥቓስ ተተ ኣቃሊሑ።

ኖርወይ፡ መስርሕ ክታበት ጸረ ኮሮና ካብ ኣርባዕተ መዓልታት ቅድሚ ሓድሽ ዓመት ዝጀመረት ሃገር ኮይና፡ ክሳብ ሕጂ 25 ሽሕ ሰባት ከም ተኸትቡ ይፍለጥ። ክሳብ ሕጂ፡ ኤጀንሲ መድሃኒት ኖርወይ፡ ብሰንኪ ጸረ ኮሮና ክታበት፡ ተራእዩ ዝተባህለ 29 ኣጋጣሚታት ኣሉታዊ ጽልዋ ከምተረኽበ ተፈሊጡ። ካብዚኣቶም 13 ብሞት ክፍለዩ እንከለዉ፡ 9 ድማ ሓደገኛ ዝኾነ ኣሉታዊ ጽልዋ ዘርኣዩ ኮይኖም እቶም 7 ድማ ፍኹስ ዝበለ ኣሉታዊ ጽልዋ ዘርኣዩ እዩም። እቶም ዝሞቱ ሰባት ብምልኦም ልዕሊ 80 ዓመት ዕድመ ዘለዎም ኮይኖም ድኽም ዝበሉ ከምዝነበሩ ተፈሊጡ።

ብጣዕሚ ድኽም ዝበሉ ሕሙማት ሽማግለታት፡ እዚ ክታበት ምስ ወሰዱ፡ ኩነታቶም ናብ ዝባኣሰ ወይ ድማ ናብ ሞት ክበጽሕ ይኽእል ክብል ካብ ኤጀንሲ መድሃኒት ኖርወይ፡ ሽታይናር ማድሰን፡ ገሊጹ። ስለዝኾነ ድማ፡ ኤጀንሲ መድሃኒት ኖርወይ፡ ነቲ ናይ ክታበት ቀዳመነታት ኢሉ ሰሪዕዎ ዝነበረ፡ ዳግመ ግምት ክገብረሉ ምዃኑ ሓቢሩ።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ድኽም ዝበሉ ሕሙማት ሽማግለታት፡ ጸረ ኮሮና ክታበት ወሲዶም፡ ዝኾነ ዓይነት ኣሉታዊ ጽልዋ ዘየርኣዩ ከምዘለዉ፡ ማድሰን፡ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com