Saturday , May 4 2024
The Health and Social Care Inspectorate is very critical of the fact that a child in Småland has had to sit daily with his hands and feet strapped to a short-term activity. Foto: Stina Stjernkvist / TT Kod 11610

ኣብ እዋኑ ክፍለጥ ዘይከኣለ ናይ ደም ምርጋእ ኩነታት

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ማርክ፡ ኣብ እትርከብ ማእከል ጥዕና፡ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክትረክብ ዝጸንሐት ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ፡ ናይ ምስትንፋስ ጸገም ኣለኪ ተባሂላ፡ ሓገዝ መስተንፈሲ ማሺን ክግበረላ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ኩነታት ጥዕናኣ ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝበኣሰ ብምስግጋሩ፡ ንዝለዓለ ሕክምናዊ ኣገልግሎት፡ ናብ ሆስፒታል ከም ዝተሰጋገረትን፡ መርመራታት ምስ ተገብረላ ድማ፡ እቲ ጸገም ከምቲ ዝተባህለ ዘይኮነስ፡ ኣብ ክልቲኡ ሳንቡኣ፡ ዝረገአ ደም ከምዘለዋ ተፈሊጡ ብምባል፡ ጋዜጣ ቦሮሽ ቲድኒን ዝጸሓፎ ጸብጻብ ብምጥቃስ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ኩነታት ናይታ ሰበይቲ፡ ንሂወታ ዝፈታተን ብምዃኑ፡ ንዓሰርተ መዓልታት ኣብቲ ሆስፒታል ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክግበረላ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ።

እታ ሰበይቲ፡ ናይ ጭንቀት ጸገማት ከምዝነበራን፡  እዚ ድማ፡ ሓደ ካብቲ ዝያዳ መርመራታት ንኸይንገብረላ ዝዓንቀጸላ ምኽንያት ከምዝኽዕነ፡ ኣብቲ ማእከል ጥዕና ዝሰርሕ ሓኪም፡ ማትስ ኤልም፡ ገሊጹ።

ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት፡ ” ጸብጻብ ሌክስ ማሪያ” ( lex Maria-anmäls händelsen)  ተዳልዩ ምህላዉ ተፈሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com