Sunday , May 5 2024

ኣብ እዋን ሕርሲ ህርመት ልቢ ኣደ ምክትታል፡ ጉድኣት ሓንጎል ድቂ ብዓቢኡ ከም ዝንክዮ ተረጋጊጹ

Credit: HENRIK MONTGOMERY / TT

ኣብ እዋን ሕርሲ ህርመት ልቢ ኣደ ምክትታል፡ ኣብ ሓደስቲ ዝተወልዱ ህጻናት ንዝፍጠር ሕማም ሓንጎል ብዓቢኡ ከም ዝንክዮ ኣብ ፊንላንድ ዝተኻየደ ሰፊሕ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ። እዚ ርኽበት ነቲ ብሰፊሑ ዝሰፈነ ምክትታል ህርመት ልቢ ድቂ እዂል እዩ ዝብል ሓሳብ ዝፈታተን ኮይኑ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ህርመት ልቢ እታ ኣደ ተመሳሳሊ ምክትታል እንተዘይተጌሩሉ ድቂ ብ ሕጽረት ኦክስጅን ክጒዳእ ይኽእል እዩ ክብል እቲ መጽናዕቲ ኣጣሊሉ’ሎ። እቲ ብጉጅለ መጽናዕቲ ዩኒቨርሲቲ ሄልሲንኪን ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ሄልሲንኪ ኤች.ዩ ዝተኻየደ ዳህሳስ ኣብ ውሩይ መጽሔት “ጆርናል ኦፍ ኦብስተትሪክስ ኤንድ ጂነኮሎጂ” ተሓቲሙ ኣሎ። ካብ 2005 ክሳብ 2023 ኣብ ከባቢ HUS ኣብ ዝርከባ ሆስፒታላት ካብ ዝተረኽቡ ኣስታት 214,000 ናይ ህጹጽ እዋን ሕክምናዊ ሓበሬታታት ብምትንታን ዝተዳለወ ብምዃኑ ዛጊት ካብ ዝተሓትሙ ዳህሳሳት ብዓይነቱ እቲ ዝዓበየ ዳታሴት ኮይኑ’ሎ እቲ ጸብጻብ ናይ ማዕከን ዜና “ሄልሲንኪ ታይስም”።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com