Thursday , May 2 2024

ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና ብዝሒ ናይቶም ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት ትሑት ነይሩ ተባሂሉ

ቅልውላው ኮሮና ኣብ ልዕሊ ሓተቲ ዑቕባ ርኡይ ዝኾነ ጽልዋ ነይርዎ። ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ናይዚ ዓመት፡ ኣስታት 7000 ስደተኛታት ጥራይ ዑቕባ ሓቲቶም። እዚ ድማ ምስ ኣብ ከምዚ እዋን ናይ ዓመተ 2018 ን 2019 ዝነበረ ብዝሒ ሓተቲ ዑቕባ ክነጻጸር እንከሎ ብ 30% ከምዝጎደለ ክብል ሲስቨንስካን (Sydsvenskan) ጽሒፉ።

ኣብ ከምዚ እዋናት ዝግበር ጉዕዞ ብጣዕሚ ኣሸጋሪ እዩ። ቅድሚ ቅልውላው ቫይረስ ኮሮና ዝነበረ ግዜ ውን፡ ውሑዳት ስደተኛታት ጥራይ እዮም እቶም ናብ ኤውሮፓ ዑቕባ ዝሓተቱ ክትብል ኣብ ጨንፈር ኢሚግሬሽን ዋሃቢት ጋዜጣዊ መግለጺታት ዝኾነት ሶፊያ ኦህቫል ሊንበርግ (Sophia Öhvall Lindberg) ንጋዜጣታት ሓቢራ።

ኣብ እዋን ክረምቲ ናይ መገሻታት እገዳ ምስ ተላዕለ፡ ብዝሒ ናይቶም ኣብዚ ዓመት ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት ክሳብ 21 ሽሕ ክበጽሕ ከምዝኽእል ቦርድ ኢሚግሬሽን ይግምግም። እንተ ድኣ ኣብ እዋን ክረምትን ድሕሪኡ ዘሎ ግዜን ናይ መገሻ እገዳ ቀጺሉ፡ እቲ ቁጽሪ ትሑት ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ዝግመት።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com