Friday , May 3 2024
Anders Tegnell, statsepidemiolog Folkhälsomyndigheten, under torsdagens myndighetsgemensamma pressträff om coronapandemin. Foto: Jonas Ekströmer / TT / kod 10030

ኣብ እዋን በዓል ልደት፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ከይውስኽ፡ ስግኣት ከምዘሎ ተገሊጹ

ብዝሒ ናይቶም ምሉእ እብረ ክታበት ወሲዶም እንከለዉ ናብ ኣገልግሎት ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል፡ ዝኣትዉ ዘለዉ ሕሙማት ኮቪድ፡ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናዛየደ ይመጽእ ከምዘሎን ጋዜጣ ዳገንስ ኒሀተር ገሊጹ።

እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ተርእዮ፡ ነቲ ክልተ እብረ ክታበት፡ ዝህቦ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ፡ ይደክም ከምዘሎ ዘርኢ ክኸውን ከምዝኽእል በዓል መዚ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ።

ነዞም ተርእዮታት ተገንዚብና፡ ኣብ እዋን በዓላት ልደትን ሓድሽ ዓመትን፡ ለበዳ ኮቪድ ንኸየስፋሕፍሕ፡ ኣገዳስነት ናይ ሳልሳይ እብረ ክታበት፡ ክሳብ ክንደይ ዕዙዝ ክኸውን ከምዝኽእል ክንርዳእ ኣይከጸግምን እዩ ክብል ኣማኻሪ ሽወደን ኣብ ጉዳይ ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኣንደሽ ቲግኔል፡ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ወርሒ መስከረም፡ ቁጽሪ ናይቶም ምሉእ እብረ ክታበት ዝወሰዱ ከንሶም፡ ኣብ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝነበሩ ሕሙማት፡ 23% እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናብ 31% ክብ ክብል እንከሎ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር ድማ እቲ ቁጽሪ ወሲኹ ናብ 43% ዓብዩ ኣሎ። ልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም ምሉእ እብረ ክታበት ዝወሰዱ እሞ ከኣ ኣብ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝርከቡ ሕሙማት ኮቪድ ድማ፡ 76% ምንባሩ፡ መጽናዕታዊ ጸብጻብ እታ ጋዜጣ ይሕብሩ።

ይኹን እምበር፡ ብዝሒ ናይቶም ኣገልግሎት ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝግበረሎም ዘሎ ዘይተኸትቡ ሰባት፡ ኣዝዩ ልዑል ከምዝኾነ፡ ቲግኔል ኣረጋጊጹ።

ኩሎም ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት፡ ሳልሳይ ብልቃጥ ክታበት ኮቪድ ክኽተቡ ምዃኖም፡ መንግስቲ ሽወደን፡ ብረቡዕ ድሕሪ ምእዋጁ፡ ቀዳምነት ግን ነቶም ልዕሊ 50 ዓመት ዝዕድሚኦም ክልተ ብልቃጥ ክታበት ዝተኸትቡ ክወሃብ ምዃኑ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com