Sunday , May 5 2024

ኣብ እዋን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ትህኪት ንምውጋድ ዝሕግዝ ገለ ምኽርታት

“ደገ ብርትዕቲ ጸሓይ ኣላ”፡ “ብዙሕ ግዜ የብለይን”፡ ” ምጒያይ ኣድካሚ እዩ”፡  “ዝመጽእ ወርሒ ክጅምር እየ”…ወዘተ ዝብሉ ገለ ካብቶም ምንቅስቓስ ኣካላት ንምውጋድ ወይ ንምውንዛፍ እነዘውትሮም ምስምሳት እዮም። ካብ ከምዚ ዓይነት ትህኪት እትገላገለሉ ፍቱን ግብራዊ ምኽርታት እነሆ።

ብዙሓት ሰባት ሓንቲ ውስንቲ መዓልቲ ከም ነጥበ መቐይሮ ህይወቶም ብምውሳድ ኲሉ ነገር ብስሩዕ ከካይድዎ ምዃኖም ይውስኑ። እንተኾነ ግና እዞም ውጥናት ከይወዓሉ ከይሓደሩ ይውንዘፉ እሞ ናብ ትህኪቶም ይምለሱ።

ነዚ ጽባሕ ክገብሮ እየ ዝብል ምውንዛፍ ንምውጋድ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቴክኖሎጂ ሙኒኽ፡ ክኢላ ስነልቦና ስፖርት፡ ጁርገን ቤክማን፡ ሓደ ጥሙር ምኽሪ ኣዳልዩ ኣሎ። ንሱ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ጀርመን ኣብ ዝዘርግሖ ምኽሪ፡ ሰባት ብኸመይ ኣገባብ ትህኪት ምንቅስቓስ ኣካላት ከም ዘወግዱ ዘርዚርዎ ኣሎ።

እተን ምኽርታት እዘን ዝስዕባ እየን

1. ዕላማኻ ኣነጽሮ

ቅድሚ ምንቅስቓስ ኣካላት ምጅማርካ “ዕላማይ እንታይ እዩ?” ንዝብል ሕቶ ክትምልሶ ፈትን። ምኽንያቱ ሰባት ስፖርት ዝገብሩሉ ምኽንያት ይፈላለ እዩ። ገሊኣቶም ሸጥ ዝበለ ኣካላት ክህልዎም፡ ገሊኣቶም ክብደት ንኸጉድሉ ገለ ድማ ናብ ውድድር ማራቶን ንምእታው ክኸውን ይኽእል እዩ። ንስኻ ካበየኖት ኢኻ?

2. ፍሉጥ ፕሮግራም ኣዳሉ

መዓልታዊ ገለ ግዜያት ንምንቅስቓስ ምምዳብ ስሩዕ ግዜ ስፖርት ንኽህልወካን ለውጢታትካ ንኽትከታተልን ክሕግዘካ እዩ።

3. መሳርሕቲ ድለ

ምሳኻ ስፖርት ዝሰርሕ ሰብ እንድሕሪ ረኺብካ ኣብ ፕሮግራምካ  ክትጸንዕ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

4. ድርብ ሓጎስ

እትጎየሉ ቦታ ጽቡቕ ባህርያዊ መልክዕ ዘለዎ ምስ ዝኸውን ስፖርት ምስራሕ ድርብ ረብሓ ዘለዎ ጌሩ ኣእምሮኻ ክቃነን ካብ ምስልካይ ክትድሕንን ትኽእል ኢኻ።

5. ውሽጥኻ ስማዕ

ገለ ሰባት ንግሆ ገለ ሰባት ከኣ ምሸት እቲ ዝሓሸ ናይ ስፖርት ግዜ እዩ ብምባል ይካትዑ። እቲ ዝበለጸ ግዜ ዝፈልጦ ግና ነብስኻ ባዕላ እያ። ስለዚ ንነብስኻ ብግቡእ ስምዓያ። ከምቲ ዝምችኣ ኸኣ ግበር።

6. ብስፖርት ተደሰት

ገለ ሰባት ንስፖርት ከም ስራሕ ብምርኣይ ብዓይኒ ምግልጋል እዮም ዝጥምትዎ። እንተኾነ ግና ስፖርት ምንጪ ምዝናይን ኣእምሮ ኣብ ምህዳስን መዘና ዘይብሉ ንጥፈት እዩ። እዚ ጀርመናዊ ኣማኻሪ እቲ ስፖርተኛ ኣብዚ ምዝንጋዓዊ ፍረ ስፖርት ከተኩርን ኣካል ህላዌኡ ክሳብ ዝኸውን ክደፍኣሉን ድማ ይምዕድ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com