Friday , May 3 2024

ኣብ ከባቢ ሞሮኮ፡ ልዕሊ 40 ዝኾኑ ሰባት፡ ከይጠሓሉ ከምዘይተረፉ ይግመት

እታ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዝጓዓዙላ ዝነበረሩ ጃልባ፡ ኣብ ደቡባዊ ገማግም ባሕሪ ናይ ሞሮኮ ጣርፋያ ኣብ ዝባሃል ቦታ ብምጥሓላ እንተወሓደ 43 ዝኾኑ ስደተኛታት ከምዝሰመጡ ተሓቢሩ። እዚ ዝተሓበረ ካሚናንዶ ፍሪንቴራስ ተባሂሉ ብዝፍለጥ ናይ መንግስቲ ስጳኛ ትካል ሕጊታት ሓተትቲ ዑቕባ እዩ። ካብቶም ዝሞቱ 3 ህጻናት ከም ዝርከቡዎም’ውን ተፈሉጡ’ሎ።
እታ ጃልባ፡ ናብ ደሴታት ካናሪ ተምርሕ ዝነበረት ኮይና፡ ካብ ጣርፋያ ኣብ 10 ማይል ርሕቀት ምስ በጽሐት እያ እቲ ሓደጋ ዘጋጠማ። ካሚናንዶ ፍሮንቴራስ ከምዝገለጾ፡ 10 ሰባት፡ በቶም ሓለዋ ናይ ገማግም ባሕሪ ናይ ሞሮኮ ከምዝደሓኑ ኣፍሊጡ’ሎ።
ከም ጸብጻብ ናይቲ ትካል እንተኾይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ፡ ካብ ኣፍሪቃ ናብ ስጳኛ ክሃድሙ ልዕሊ 4,400 ዝኾኑ ስደተኛታት ከምዝሞቱ ወይ ድማ ከምዝተሰወሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። ካብ’ዚኣቶም እቶም ልዕሊ 90% ናብ ደሴታት ካናሪ የምርሑ ከምዝነበሩ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com