Monday , May 6 2024

ኣብ ከተማ ማልመ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ብሰንኪ ዘጋጠመ፣ ምፍንጃር ነታጉን ቅትለትን ንቡዝሓት የሻቅል።

ኣብ ከተማ ማልመ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ብሰንኪ ዘጋጠመ፣ ምፍንጃር ነታጉን ቅትለትን ጽኑዕ
መቑሰልቲን ክልተ መንእሰያት፣ ተኸቲሉ ካብ ትማሊ መዓልቲ ጀሚሩ ዝጸንሕ፣ ድሕነትን ዉሕስነትን
ህዝቢ እቲ ከተማ ንምርግጋጽ፣ ኣብ ጎደናታት ከተማ ማልመ ፣ ህላወን ሓለዋን፣ ፖሊስ ክህሉ፣ ምምሕዳር ፖሊስ ዞባ ስኮነ ኣዚዙ ኣሎ።

ብመሰረት ጸብጻብ ፖሊስን ማዕከናት ዜናን፣ ድሕሪ እቲ ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት፣ ኣብ ጥቃ ሓደ መንበሪ
ኣባይቲ ኣብ ማኪና ብዝተጻወደ ነታጉ ምፍንጃሩ ተኸቲሉ፣ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሓደ ቤት መግቢ ኮፍ ኢሎም ዝምገቡ ዝነበሩ፣ ክልተ ደቂ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት፣ ካብ ደገ ብዝተተኮሰ ተኸታታሊ ኣድራጋ ተኹሲ፣ እቲ ሓደ ሂወቱ ከምዝሓለፈን፣ እቲ ሓደ ኸኣ ብጽኑዕ ከምዝቖሰለን፣ ፖሊስ ከተማ ማልመ ሓቢሩ።

ፖሊስ ፍሉይ ሃገራዊ ፍጻመ ኢሉ ብምእዋጅ፣ ሰፊሕ ምርመራ የካይድ ከምዘሎን፣ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩን ነቲ ኩነታት ዝተዓዘቡን ሰባት፣ ንፖሊስ ሓበሬታ ምስክርነትን ክህቡ ምምሕዳር ፖሊስ ስኮነ፣ ብመገዲ ድሕረ ገጹ ጻዉዒት ኣቕሪቡ። መንግስቲ እዉን ንሓይሊ ፖሊስ ማልመ፣ ዘሕይል ተወሳኺ ስጉምትታት ክዉሰድ ከምዝኣዘዘ ተፈሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com