Monday , May 6 2024

ኣብ ከተማ ማልሞ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ሰለስተ ዝተጻወዱ ነታጒ ተፈንጂሮም ።

ከተማ ማልሞ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ሰለስተ ዝተጻወዱ ነታጒ ከም እተፈንጀሩን ኣብ ልዕሊ መንበሪ ኣባይቲ ጉድኣት ከውርዱ እንከለዉ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝወረደ ሓደጋ ኣይነበረን። ፖሊስ ናይታ ከተማ ንሰለስተ ሰባት ኣብ ሓደ ካብተን ሰለስተ ነትጒ ኢድ ኣለዎም ኢሉ ዝጠርጠሮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወን ኣብ ሞንጎ ሰለስቲአን ኣጋጣሚታት ዘራኽብ ነገር ምህላዉን ዘይምህላዉን ግን ጭቡጥ ሓበሬታ ከምዘየለ ሓቢሩ።

ቀዳማይ ነትጒ፡ ተፈጃሪ መሳርሒ ዝዓይነቱ፡ ካብ ሓሙስ ናብ ዓርቢ ዘውግሕ ከባቢ ሰዓት 4 ወጋሕታ ኣብ ማእከል ከተማ ኣጋጢሙ። ድሕሪ’ቲ ኣጋጣሚ ኣሃዱ ፖሊስ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ናይ 100 ሜትሮ ርሕቀት ዘለዎ ክሊ ሓለዋ ከም ዝዘርግሑ ድሕሪ ምዝርግሑ ኣዛዚ ፖሊስ ሃጂስትሮም ሄንሪክ ንማዕከን ዜና ሽወደን TT ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓቢሩ። ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረት መኪና፡ መሳኹቲ ናይ ህንጻታትን እቲ ቦታን ጉድኣት ከምዝወረደን ምስቲ ነትጒ ኢድ ኣለዎም ዝተባህሉ ሰለስተ ጥርጡራት ውብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ እቲ ኣዛዚ ፖሊስ ኣረጋጊጹ።

ካልኣይ ነትጒ ዓርቢ ለይቲ ሰዓት 10 ድ.ቐ. ኣብ ከባቢ ድሮትኒንቶልየት (Drottningtorget) ዝርከብ መእተዊ ናይ ሓደ ህንጻ ከምዘጋጠመን ከምሳዕቤኑ ድማ ኣብ ልዕሊ እታ ህንጻ ከቢድ ዕንወት ወሪዱ። ፍሉይ ጉጅለ ነቶግቲ ድማ ምሉእ ለይቲ ነቲ ከባቢ ዳህሲሱን መርኣያ ዓይነት ውን ንመርመራ ወሲዱ። ፖሊስ እቲ ከባቢ ክሳብ ቀዳም ሰዓት 8 ቅ.ቀ. ዝኾነ ጥርጡር ከምዘይነበሮም ማዕከን ዜና ሽወደን TT ሓቢሩ። ሳልሰይቲ ነትጒ ድሕሪ 5 ሰዓታት ኣቢሉ ኣብ ከባቢ ኣልምጎርደን (Almgården) ዝትባህለ ቦታ እትርከብ ህንጻ ዘጋጠመ ኮይኑ ኣብ ትሕቲ መደያይቦ (ኣስካላ) ተጻዊዱ ከምዝነበረን ብሰንኪ ሓይሊ ናይ ነትጒ ዘስዓቦ ኣብ ልዕሊ እታ ህንጻ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ቪትሮታት ናይ መሳኹቲ ዕንወት ኣውሪዱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com