Friday , May 3 2024
Police scuffle and detain an anti-government demonstrator during a protest in Havana, Cuba, Sunday July 11, 2021. Hundreds of demonstrators went out to the streets in several cities in Cuba to protest against ongoing food shortages and high prices of foodstuffs, amid the new coronavirus crisis. (AP Photo/Ramon Espinosa) XRE103

ኣብ ኲባ ዓብዪ ህዝባዊ ተቓውሞ ተላዒሉ

ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ንመንግስቲ ዝቃወም ህዝባዊ ሰልፊ ኣብ ርእሰ ከተማ ኲባ ሃቫናን ካልአይቲ ዝዓበየት ከተማ ሳንቲያጎን ይካየድ ምህላዉ ተገሊጹ። እቶም ሰልፈኛታት ለበዳ ዝተሓዘሉ ዘሎ ኣገባብ፥ ቀጻሊ ዝረአ ዘሎ ሕጽረት መግቢን ጸብጻባት ሚድያን ብምጥቃስ ፕረሲደንት ሚግዎአል ዲያዝ ካነል ካብ ስልጣኑ ክወርድ ሓቲቶም ኣለዉ።

“ኣብ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኲነታት ኢና ዘሎና፥ ለውጢ ስርዓት የድልየና እዩ” ክትብል ሓንቲ ካብዞም ሰልፈኛታት መምህር ትልሂት ሚራንዳ ላዛራ ምስ ሮይተርስ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት ሓቢራ።

ፖሊስ ኣብ ጎደናታት ሃቫና ከም እተራእዩን ዛጊት 20 ዝኾኑ ካብዞም ሰልፈኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝወዓሉን ተገሊጹ’ሎ።

መራሒ ዴሳዊ ሰልፊን ፕረሲደንትን እታ ሃገር ሚግዌል ናብ ተሌቪዥን እታ ሃገር ቀሪቡ ነቲ ቊጥዐ ህዝቢ ከተሃዳድእ ከም ዝፈተነ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ ነዚ ናዕቢ ክለዓል ምኽንያት እትኸውን ዘላ ኣመሪካ እያ ክብል ምውቃሱ ኣመልኪቱ።

ፕረሲደንት ኩባ ዝመጽእ ሰኑይ ተወሳኺ መገልጺ ብተሌቪዥን እታ ሃገር ክህብ እዩ ተባሂሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com