Saturday , May 4 2024
Foto: Ørn E. Borgen / NTB scanpix / TT / kod 20520

ኣብ ወርሒ ጥሪ ሰደድ ኖርወይ ዝነኣድ ዕብየት ኣርእዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ሰደድ ኖርወይ ብ 91.8 ቢልዮን ብምውሳኽ ካብቲ ኣብ ተመሳሳሊ ወርሒ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ኣታዊ ብዕጽፊ ክዛይድ ምኽእሉን ናብ 160.4 ቢልዮን ምዕባዩን ተገሊጹ። ብመሰረት ካብ ስታቲስቲክስ ኖርዌይ እተረኽበ ሓደስቲ ኣሃዛት ሰደድ ናብ ሃገራ እተእትዎ ኣቕሑ ብ 23.3% ወሲኹ ናብ 68.6 ቢልዮን ዶላር ዓብዩ’ሎ። ሰደድ እታ ሃገር ምስ ተመሳሳሊ ወርሒ ናይ ዝሓለፈ ዓመት እንክወዳደር ብዕጽፊ ብምዕባዩ መኽሰብ ንግድ እታ ሃገር ናብ 91.8 ቢልዮን ከም እተገመተ ኖርዌይ ቱደይ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ዝበዝሐ ካብዚ ኣታዊ ካብ ባህርያዊ ጋዝ ክርከብ እንከሎ ድፍድፍ ነዳዲን ካልኦት ሰደዳትን ነዚ ዕቤት ክርከብ ኣስተዋጽኦ ምግባሮም እቲ ማዕከን ዜና ወሲኹ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com