Sunday , May 5 2024

“ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝተወልዱ ሽወደናውያን ዝተሓተ ስምዒት ግደታ ከም ዘለዎም ዘመልክት ሓበሬታ የለን” ማግዳሌና ኣንደርሾን

Credit: Johan Nilsson/TT

ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ጸጥታን ምክልኻልን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሰን ብዛዕባ ”ምስ ዜግነት ሽወደን ዝመጽእ ግደታታት”  ብፍላይ ድማ፡ ኩሎም ዜጋታት ነታ ሃገር ንምክልኻል ፍቓደኛታት ክኾኑ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቡ። ቀ/ሚ ሽወደን ሽወደን ነበር ከምኡ’ውን መራሒት ተቓዋሚት ሰልፊ ማሕበራዊ ደሞክራሲ ማግዳሌና ኣንደርን ኣብቲ እዋን ንክሪስተርሾን ነቒፋ ነይራ፡፡ እቲ ዝሃቦ ርእይቶ ከፋፋሊ ምዃኑ፥ ኣብ ወጻኢ ዝተወልዱ ሽወደናውያን ኣብ ምክልኻል ሽወደን ዝወሓደ ወፍሪ ከምዘለዎም ዝእምት ምዃኑን ብምግላጽ እያ ተቓውሞኣ ኣስሚዓ። እዚ እናኾነ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝተወልዱ ዜጋታት ንሽወደን ንምክልኻል ድሌቶም ዝተሓተ እዩ ዝብል ዝኾነ መጽናዕታዊ ሓበሬታዊ ደገፍ የለን ክትብል ማግዳሌና ኣንደርሾን ካብ ኤጀንሲ ምርምር ምክልኻል ሽወደን ነቲ መደረ ክሪስተርሾን ተቓውሞኣ ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com