Thursday , May 2 2024
Credit: Johan Nilsson/TT

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ስቶክሆልም ብዝተኸስተ ጎነጽ 20 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም።

ኣስታት 200 ዝኾኑ ካብ መላእ ሽወደን እተዋጽኡ ኣባላት ፖሊስ፡ ፖሊስ ስቶክሆልም ንምሕጋዝ ከም ዝመጹ ተገሊጹ። እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ኣብ ስቶክሆልም ብሰንኪ ዝፍጸም ዘሎ ጎነጽ ዝመልኦ ገበናት እዩ ተባሂሉ’ሎ። ይዂንምበር፡ እዚ ጎነጽ ክቅጽል ከም ዝኽእል፡ ኣዛዚት እዚ ጥሙር ሓይሊ ፖሊስ ሃና ፓራዲስ ገሊጻ’ላ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት፡ ኣብ ስኮጎስ ወዲ 15 ዓመት ዝቐተለ ኮተቴ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ምእታዉን ክሳብ ሕጂ ኣብኡ ምህላዉን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ካብ ዝኣተዉ 20 ሰባት ኮይኑ’ሎ።

ኣብ ስቶክሆልም ዝረአ ዘሎ ጎነጽ፡ ኣብ ከምኒ ኡፕሳላን ሱንዳቫልን እውን ይኽሰት ምህላዉን፡ በዚ ድማ 7 ኮተቴ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ኣትዮም ምህላዎምን ተፈሊጡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com