Monday , May 6 2024

ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ኣብ ዞባ ኤውሮጳ ዝቕባበ ልዑል ኔሩ

ዋጋታት ሃለኽቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ብ 2.9% ከምዝወሰኸን፡ እዚ ድማ ነቲ ብ 20 ሃገራት ዝቖመ ገንዘባዊ ሕብረት ን 13 ኣዋርሕ ከም ዝዝሕል ዝገበረ ዝቕባበ ምዝዛሙ ዝሕብር ምዃኑ ዩሮስታት ብዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መባእታዊ መረዳእታ ኣመልኪቱ። ኣብ ፊንላንድ ዝቕባበ ዋጋታት 1.5% ከምዝበጽሐ እቲ መረዳእታ ይሕብር። ስሎቫክያን ኦስትርያን ብ 6.6 ክምኡ’ውን 5.7% ዝለዓለ ወሰኽ ዋጋታት ሃለኽቲ ኣርእየን ኣለዋ። ብኣንጻሩ ኣብ ቤልጅየምን ኢጣልያን ዝቕባበ 0.5% ከምዝነበረ ተገሊጹ። ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዞባ ኤውሮጳ ዝቕባበ ዋጋታት 2.4% በጺሑ ኔሩ። ብዘይካዚ ዋጋታት ጸዓት ካብ ዓመት ናብ ዓመት ብ 6.7% ከምዝነከየ እቲ መባእታዊ መረዳእታ የመልክት። ዋጋ ዘይተሰርሑ መግብታት ብ 6.7%፣ ኣገልግሎት ብ 4.0%፣ ኢንዱስትርያዊ ፍርያት ድማ ብ 2.5% ወሰኽ ኣርእዩ እዩ። ከም መግብን ጸዓትን
ዝኣመሰሉ ኣዝዮም ተለዋዋጥቲ ነገራት ዘየጠቓልል ቀንዲ ዋጋታት ንብረት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 3.4% ኮይኑ፡ ካብ ሕዳር ብ 0.2% ምንቁልቋል ኣርእዩ እዩ። “ምዝሕሓል ሕመረት ዝቕባበ ዋጋታት ምጒዳል ምቕጻሉ ዝሕብር እዩ። ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ትጽቢት ወጻኢ ዝኾነ ነገር እንተዘይተፈጺሙ፡ ማእከላይ ባንክ ኤውሮጳ ኣብ ወርሒ መጋቢት መዐቀኒኡ ከጉድል ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ኣሎና” ክትብል ዳይረክተር መጽናዕቲ ባንክ ዳንስከ ብልሃይዲ ሻውማን ንሄልሲንጊን ሳኖማት ገሊጻ’ላ። ኣብ ኦፒ ፋይናንሻል ግሩፕ ኪኢላ ዕዳጋ ስነ ቑጠባ ጃሪ ሃኒካይነን፡ እቲ ምውሳኽ ዋጋታት ንብረት ግዝያዊ ምዃኑን ብቐንዱ ድማ ኣብ ጀርመን ዝወሃብ ዝነበረ ድጎማ ጸዓት ብምውዳኡ ዝተፈጥረ ምዃኑን ግምቱ ኣቐሚጡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com