Sunday , May 5 2024

ኣብ ዝስዕባ መዓልታት ኩነታት ኣየር ኣብ ገለ ክፋል ሽወደን ስጋብ ኣሉታ 30 (-30) ክበጽሕ ከምዝኽእል ይሕበር።

ብ መስረት ሓበሬታ ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ሽወደን ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰሙናት ጀሚሩ ዛሕሊ ብሙሉእ ሓይሉ ተመልሱ ከምዘሎን ይሕበር። ኪኢላ እዚ ዓውዲ ዝኾነ ሚካኤል ሾስታርን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣብ ከባቢታት ስቫላንድን ጎትላንድን (Götaland och Svealand) ካብቲ ዝነብሮ መጠን ኩነታት ኣየር ብምጉዳል ሲጋብ ኣሉታ 5 (-5) ከምዝበጽሕን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሽወደን ድማ ስጋብ ኣሉታ 20 (-20) በጺሑ ከምዘሎ ብምሕባር ስጋብ ዓርቢ ከምዚ ኢሉ ከምዝቕጽል ወሲኹ ይሕብር።

ሚካኤል ሾስታርን  ብምቕጻል እቲ ዝተሓተ መጠን ኩነታት ኣየር ዓርቢ ለይቲ ኮይኑ ኣብ ሰሜን ከፋል ሽወደን ሲጋብ ኣሉታ 30 (-20) ክበጽሕን ኣብ ደቡባዊ ክፋል ድማ ስጋብ ኣሉታ 10 (-10) ክበጽሕ ትጽቢት።

ከባቢ ላፕ ላንድ ግን ብመጠኑ ደሓን ክኸውን ዓርቢ መዓልቲ ግን  ኣብ ከባቢ ኦስተርሹን ብብዝሒ በረድ ክህሉን፣ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ድማ ኣብ ከባብታት ስቫላንድን ጎትላንድን (Götaland och Svealand) ዝሓሽ ብዝናብ ዝተሰነየ  ልዕሊ 2  ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ዝዓቐኑ ኩነታት ኣየር ክህሉ ይግመት።

በዚ መስረት ስጋብ ዝቕጽል ሰሙን ኣብ መልእ ሽወደን ዛሕሊ ዝዓበለሎ ኩነታት ኣየር ስለዝቕጽል ኩሉ ሰብ ኣብ ኣለባብሳ ዝያዳ ጥንቓቐ ኪገብር ይምሕጸን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com