Thursday , May 2 2024

ኣብ ዝቕጽል ወርሒ፡ ሰለስተ ሃገራት ክታበት ኮሮና ክጅምራ ተኽእሎታት ከም ዘሎ ይንገር

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ዓዲ እንግሊዝን ጣልያንን፡ ኣብ ምጅማር ወርሒ ታሕሳስ 2020፡ ክታበት ኮሮና ክጅምራ ከምዝኽእላ እንግሊዛዊት ጋዜጣ ጋርድያን ኣቃሊሓ።

ብኻልእ ወገን፡ ዓዲ ጣልያን፡ ክታበት ኮሮና፡ ካብ ምጅማር ወርሒ ታሕሳስ 2020፡ ኣብ ጥቕሚ ንኸተውዕል፡ ብኩባንያታት ፋይዘርን ቢዮንቴክን ዝፈረየ ክታበት፡ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ክትሰማማዓሉ ምዃናን እንግሊዛዊ ጋዜጣ ዘ ቴሌግራፍ ገሊጹ።

ክታበት ኮሮና፡ ካብ ታሕሳስ ክንጅምሮ ድሌት ኣለና ዝበለ፡ ሚኒስተር ጥዕና ዓዲ እንግሊዝ፡ ማት ሃንኮክ፡ እንተኾነ ግን፡ እቲ ዝበዝሐ መስርሕ ክታበት ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ የካቲትን መጋቢትን ክሰላሰል ተስፋ ከምዘለዎ፡ ምስ ተሌቪዥን ቢ.ቢ.ሲ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ሓቢሩ።

መስርሕ ክታበት ኮሮና ኣብ እስፓኛ፡ ካብ መጀመርታ ወርሒ ጥሪ 2021 ክጅምር ምዃኑን ነዚ ንምትግባር ድማ ኣስታት 13 ሽሕ ኑቕጣታት ክታበት ከምዘዳለዉ ምዃኖም ቀዳማይ ሚኒስተር እስፓኛ፡ ፔድሮ ሳንቸዝ፡ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com