Friday , May 3 2024
Vaccine passports may be available in more places than today. (AP Photo/Andrew Medichini) AJM103

ኣብ ዝተመርጹ ቅምሶታት ቁጽጽር ምግባር ምእዘዛ ናይቶም እገዳታት ከረግጋጽ እዩ

ምምሕዳራዊ ቦርድታት ሽወደን፡ ካብ ታሕሳስ 1 ጀሚሩ፡ እቶም ኣብ ህዝባዊ ፍጻመታት ዝተነብሩ እገዳታት ኣብ ተግባር ይውዕሉ ምህላዎም ንምርግጋጽ ዝሃቀነ ቅምሶታት መሪጽካ ቁጽጽር ናይ ምግባር መስርሕ ክኽተል ከምዝኾነ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ንሕና ከም ምኽራዊ ስጉምቲ ንብሎ፡ ብቐዳምነት ኣተኩሮና ኣብ ሓበሬታን ምኽርን እኳ እንተኾነ፡ ምስቶም ወጽዮም ዘለው ሕግታት ምእዘዛ (ስኒት) ምህላዎም ንምርግጋጽ ግና፡ ኣብቶም ተዘርጊሖም ዘለው መስርሓት ብሃውሪ (ሃንደበት) ዝግበሩ ናይ ዝተመርጹ ቅምሶታት ቁጽጽር ክግበሩ እዮም፡ ክትብል፡ ኣወሃሃዲት ሃገራዊ  ምሕደራዊ ቦርድ ምክትታል ለበዳ፡ ኣና ካርልሶን፡ ኣፍሊጣ።
እዚ ማለት፡ ዝኾነ ይኹን ኣካል፡ ልዕሊ 100 ሰባት ዝርከብዎ ኣብ ኣሽጢ ገዛ ዝግበር ውራይ ከሳልጥ እንድሕር ደልዩ፡ ብመሰረት እቶም ሓደስቲ ሕግታት፡ ፍልይ ዝበሉ ኣካይዳታት ክኽተል ይግደድ እዩ ማለት እዩ። ሓደ ካብዞም ክትግበሩ ዝግብኦም ኣስራርሓታት፡ ኩላቶም ዕዱማት ብቑዕ ዝኾነ ናይ ክትባት ፓስፖርት ከምዘለዎም ምርግጋጽ እዩ ዝኸውን። እዚ እንተዘይተተግቢሩ ድማ፡ ኣብ ክንድኡ፡ ኩሎም ናብቲ ምትእኽኻብ ዝመጹ ዕዱማት፡ ኣቐዲሙ ኣብ ዝተዳለወሎም ወንበራት ጥራሕ ኮፍ ክብሉ ናይ ምግባር ዝኣመሰሉ መስርሓት ክትግበሩ ይግባእ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com