Monday , May 6 2024

ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ብሰንኪ እተኽስተ ሓያል ህቦብላ– ኣራንሺ ዝሕብሩ መጠንቀቕታ ተመሓላሊፉ።

Credit: Johan Nilsson/TT

ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ዝዞባ ስካነ ብሰንኪ ዝተኸስተ ሓያል ንፋስን ብርቱዕ በረድን ሓያሎ መካይን ምዕናወንን ካብ ቀንዲ ጽርግያታት ከም ምውጽአንን ተፈሊጡ። ኣብ ማልሞ ዝርከብ ጋዜጠኝ ቻነል ውሽጢ ዓዲ ሬድዮ ሽወደን ማርያ ማትሰን፡ ኣብ ምሉእ ዕድሚኣ ክንድዚ ዝኣክል መካይን ካብ ጽርግያ ክስሕባ ርእያ ከም ዘይትፈልጥ ትዛረብ። ንሳ “መብዛሕትኡ ሓደጋታት ዝኽሰአሉ ዘሎ ጎደና ኣብ መንጎ ማልሞን ኤንገልሆልምን ዘሎ E6’ዩ” ክትብል ወሲኻ ትገልጽ። እቶም ብዘይመኪና ዝንቀሳቐሱ ንግዜኡ ኣብ ቤቶም ክጸንሑ ማርያ ለበዋኣ ኣተሓሒዛ ኣመሓላሊፋ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com