Sunday , May 5 2024

ኣብ ደቡባዊ ክፋል ሽወደን ሓደጋ ትራፊክ ዝወሓደ ሙኻኑ ተሓቢሩ!!

ሓደጋታት ትራፊክ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ሽወደን ብፍላይ ኣብ ከባቢ ስኮነ (Skåne) ብርኡይ ከምዝነከየ ተገሊጹ። እዚ ዝኾነሉ ምክንያት ድማ ኣብቲ መንገዲ ንከበድቲ ናይ ጽዕነት መኻይን፣ ቀስ ኢለን ዝንቀሳቀሳ መኻይን ብምኽልካለን ሙኻኑ በዓል መዚ ትራፊክ ሽወደን ሓቢሮም።

እዚ ምእጋድ ነዘን ዝተጠቅሳ ዓይነት መኻይን ኣብ ግዜ ንግሆ ኣብ ሰዓታት 6-9 ድሕሪ ቀትር ኣብ ሰዓታት 16-18 ማለት ጻዕቒ ትራፊክ ኣብ ዝኽሰተሉ ሰዓታት ጥራይ ኮይኑ በዝን ዓይነት መኻይን ዝወርድ ሓደጋ ንሙጉዳል ዝዓለመ እዩ። ካብ ወርሒ መጋቢት ስጋብ ወርሒ ሓምለ ናይ እዚ ዓመት ኣብዚ ዝተጠቅሰ ሰዓታት 27 ሓደጋታት ጥራይ  ኣብ መንገዲ ቨሊንየ – ሄልሲንቦሪ ከም ዘጋጠመን እዚ ድማ ፍርቂ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ሙኻኑ ተሓቢሩ።

በዓል መዚ ትራፊክ ከምዚ ገለጾ  ንምጉዳል ሓደጋታትን ንምውሳኽ ድሕነት ተወሳኺ ዝሓሸ ስጉምንቲ ከምዝወስዱ ሓቢሩ ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com