Friday , May 3 2024
A new coronavirus variant whose consequences are unknown has emerged in South Africa. (AP Photo/Themba Hadebe) XTH119

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተረኽበ ሓድሽ ጅር ቫይረስ፡ ኣሻቓሊ ኮይኑ

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሓድሽ ጅር ቫይረስ ኮሮና ከምዝተረኽበ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ዓባይ ብሪጣንያ፡ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ሃገራ ኣብ ልዕሊ ዝግበሩ ጉዕዞታት፡ እገዳ ከተንብር ምዃና፡ ካብታ ሃገር ዝተረኽቡ ምንጭታት ይገልጹ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመንበሪኦም ተመራመርቲ፡ ሻቕሎት ዘላዓዕል ሓድሽ ጅር ቫይረስ ረኺቦም። እቲ B.1.1.529 ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓይነት ጅር ቫይረስ፡ ኣዝዩ ዘይልሙድ ኣቃውማ ናይ ውሽጣዊ ኣሰራርሓ ዘለዎ ኾይኑ፡ ምናልባት’ውን ኣብ ኣካላትና ናይ ሕማም ስምዒታት ንኸይስማዓና ብምግባር ናይቲ ቫይረስ ናይ ምልባድ ተኽእሎ፡ ክብ ክብል ናይ ምግባር ዓቕሚ ክህልዎ ከም ዝኽእል፡ እቶም ተመራመርቲ ይገልጹ። እዚ ክፍለጥ ዝተኻእለ፡ ኣብ ሓሙስ መዓልቲ ኣብ ጆሃንስበርግ፡ ብህጹጽ ኣብ ዝተጋበአ ዋዕላ እዩ።
ደቡብ ኣፍሪቃ ኣስታት 100 ዝኸውን ቅምሶታት ናይቲ ሓድሽ ጅር ቫይረስ ዘረጋገጸት ክትከውን ከላ፡ እዚኦም ድማ ኣብ ኮንጎን ቦትስዋናን ከምዝርከቡ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
ካብ ናይ ምርምር ቤተ-ፈተነታት ዝተረኽቡ ትንተናታት ከምዝሕብርዎ፡ እዚ ሓድሽ ጅር ቫይረስ፡ ኣብታ ብብዝሒ ሰብ ዝቕመጠላ፡ ዞባ ጉዋቴንግ፡ ብናህሪ ይላባዕ ምህላዉን ናብተን ዝተረፋ ሸሞንተ ዞባታት ውን ክልሕም ከምዝኽእል የመልክት።
“ዋላ’ኳ እቲ ዘሎ ሓበሬታ ዝተወሰነ እንተኾነ፡ እቶም ክኢላታትና፡ ባህርያት ናይዚ ሓድሽ ጅርን ከምኸትሎ ዝኽእል ሳዕቤናትን ንምፍላጥ ለይትን ማዓልቲን በቶም ዘለውና ናይ ቁጽጻር ማዕከናት ብምጥቃም ይጽዕሩ ኣለው” ክብል፡ ትካል ተማሓላለፍቲ ሕማማት  ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዘውጽኦ መግከጺ ኣፍሊጡ።
ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ናይ ጉዕዞ እገዳታት ብዝምልከት ኣብ ቀይሕ ዝርዝር ኣትያ ከምዘላ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ትማሊ ሓሙስ ኣፍሊጣ።
ካብ ደቡብ ኣፍሪቃን ካልኦት 5 ሃገራትን ዝግበሩ በረራታት ንግዜኡ ካብ ዓርቢ ጀሚሮም ደው ክብሉ ምዃኖም ተሓቢሩ። ካብዘን ሃገራት ዝምለሱ ዜጋታት እንግሊዝ፡ ከም ዝውሸቡ’ውን ተፈሊጡ።
ናይ እንግሊዝ ናይ ጥዕና ሰበ-ስልጣናት፡ ክሳብ ሕጂ፡ ዝኾነ ዓይነት ምልክት ናይዚ ሓድሽ ጅር ቫይረስ፡ ኣብ ሃገሮም ከምዘይተረኽበ ገሊጾም።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com