Wednesday , May 1 2024
Jeppe Gustafsson/TT

ኣብ ደቡብ ከተማ ስቶክሆልም ኣብ ውሽጢ ቤት ብዘጋጠመ ምፍንጃር ሓደ ሰብ ሞይቱ።

ሰንበት መዓልቲ ኣብ ደቡብ ስቶክሆልም ከባቢ vårberg, ሓደ ሰብ ብባርዕ ምሟቱ ከም እተፈልጠ ተገሊጹ። ፖሊስ ብዛዕባዚ ዘጋጠመ ባርዕ ኣብ ከባቢ ሰዓት 15:00 እዮም ተሓቢሮም።

ዋላኳ ንህዝቢ ስግኣት ዝኽውን ከም ዘይኮነ እንተተነግረ እዚ ባርዕ ብምንታይ ምኽንያት ከም እተኸስተ ክሳብ ዝፍለጥ ህዝቢ ካብቲ ከባቢ ግልል ክብል ግና ኣጠንቂቖም ኣለዉ።

ፖሊስ ጎድኒ ጎድኒ መርመራኦም ምስ ብዙሓት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር እውን ኣዛሪቦም ኣለዉ።

ብመሰረት እተገብረ ኣፈናዊ መርመራ እዚ ባርዕ ከም ሓደ ንጽል ሓደጋ ዝውሰድ ኮይኑ ዛጊት ምንም ድርኺት ኣይተረኽቦን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com