Friday , May 3 2024

ኣብ ደገ ዝተወልዱን ማሕበር ሰራሕተኛታት ሽወደንን

 

ብዝሒ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ደገ ዝተወልዱ ሰራሕተኛታት ሽወደን፡ ካብ ዓመተ 2006 ክሳብ 2020 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ካብ 16% ናብ 30% ክብ ከምዝበለ ጸብጻባት ይሕብሩ። ይኹን እምበር፡ ቁጽሪ ኣባላት ማሕበር ሰራሕተኛታት ግን ክጎድል ከምዝተራእየ  Du & Jobbet ዝተባህለ መጽሔት ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ኣብ ዓመተ 2006፡ ኣብ ማሕበር ዝተመዝገቡ፡ ጠቕላላ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ደገን ኣብ ውሽጢ ሽወደን ዝተወልዱ ሰራሕተኛታት፡ ክሳብ 77% ዝበጽሕ ምንባሩ ይዝከር። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ውሽጢ ሽወደን ዝተወልዱ ሰራሕተኛታት 64% ክበጽሕ እንከል፡ ናይቶም ኣብ ደገ ዝተወልዱ ሰራሕተኛታት ድማ 52% ምብጽሑ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

መብዛሕትኦም ካብቶም ኣብ ደገ ዝተወልዱ ሰራሕተኛታት፡ እቶም ካብ ኤውሮፓ ወጻኢ ዝተወልዱ ኮይኖም፡ ብዛዕባ ማሕበር ሰራሕተኛታትን ናይ ስራሕ ስምምዓትን፡ ውሱን ኣፍልጦ ዘለዎምን ወይ ድማ ኣብተን ምስ ማሕበር ሰራሕተኛታት ትሑት ርክብ ዝነበረን ከም ኢንዱስትሪታት ቤት መግቢ፡ ጽሬትን ታክስታትን ዝሰርሑ ዝነበሩ ክኾኑ ዝኽእሉ እዮም ክብል ኣብ ዩኒቨርስቲ ሉንድ፡ መምህር ማሕበራዊ ትምህርቲ፡ ፕሮፌሰር ኣንደሽ ኼልቤሪ፡ ገሊጽ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com