Friday , May 3 2024
ሓንቲ ካብተን ጾታዊ ዓመጽ ዝወረዳ፡ መንነታ ክፍለጥ ዘይደለየት፡ ጓል ኣንስተይቲ፡

ኣብ ዲ/ሪ/ ኮንጎ፡ ደቀንስትዮ፡ ብሰራሕተኛታት ረድኤት፡ ጾታዊ ዓመጽ ይበጽሐን ምህላዉ ይገልጻ

ኣብ ምብራቕ ዲ/ሪ/ኮንጎ፡ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ምልባዕ ለበዳ ኢቦላ፡ ገለ ደቀንስትዮ፡ ብሰራሕተኛታት ረድኤት፡ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝወረደን ገሊጸን። እዚ ቶንሶን ሮይተርስ ፋውንዴሽን ከምኡውን ኣገልግሎት ዜና ኒው ህዩማኒተርያን ዘውጽእዎ ሓድሽ ጸብጻብ እዩ ተባሂሉ ኣሎ። እዘን ደቀንስትዮ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓዊስካ ካልኦት ኣህጒራውያን ውድባት ጾታዊ ኣገልግሎት ንኽህባ ክሰርሓ ከም እተገብራ ገሊጸን ኣለዋ። ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝሰርሕ ሓደ ካሜሮናዊ፡ ናይ ስራሕ ቃለ መጠይቕ ከም ዝገበረላ ሓንቲ ካብዘን ግዳያት ዝኾና ደቀንስትዮ ገሊጻ’ላ። እንተኾነ ግን ኣብ ክንዲ ስራሕ ዝህባ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ልዕሊኣ ምፍጻሙን ኣብ ኦፊሱ ናይ ጽሬት ሰራሕተኛ ከም ዝገበራን ወሲኻ ትገልጽ። ካልእ ጾታዊ ዓመጽ ዝበጽሓ ጓለንስተይቲ ብምኽንያት ምትሕልላኽ ምብርዓን ጥንሲ ከም ዝሞተት እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ’ሎ። ውድብ ጥዕና ዓለም ነዚ ጒዳይ ክምርምሮ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com