Thursday , May 2 2024
Tomas Oneborg/SvD/TT

ኣብ ድሕረ-ኮቪድ ዝርከብ ሰባት ን “ዘይምኽንያታዊ ትጽቢት” ተቓሊዖም ኣለዉ ተባሂሉ። 

ሓደ ሲሶ ካብቶም ኣብ ድሕረ-ኮቪድ ዝርከቡ ተሓከምቲ ካብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዘድልዮም ሓገዝ ንምርካብ ዘይምኽንያታዊ ነዊሕ ትጽቢት የሕልፉ ምህላዎም ተገሊጹ። እዚ ዝተባህለ ን ክንክን ድሕረ-ኮቪድ ኣመልኪቱ ብ ኤጀንሲ ጥዕና ሽወደን ከምኡ’ውን ኣገልግሎት ክንክን ዝወጸ ፋልማይ መጽናዕታዊ ጸብጻብ እዩ። ኣብዚ ዳህሳስ ካብ ዝኣተዉ ተሓከምቲ ፍርቆም ናይ ድሕረ-ኮቪድ ሓገዝ ንምርካብ ዘይምኽንያታዊ ነዊሕ ትጽቢት ምሕላፎም ተገሊጹ። ኣብ ድሕረ-ኮቪድ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ዝጸንሑ ከምኒ ክብድ ዝበለ ድካምን ናይ መላግቦ ኣዕጽምቲ ቃንዛ ዝበሉ ምልክታት ክረኣዩ ከም ዝኽእሉ ሬድዮ ሽወደን ንሰብ መዚ ብምጥቃስ ጸብጺባ’ላ። 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com