Saturday , May 4 2024

ኣብ ጉጅለታት ገበን ዝግበር ኣባልነት ከም ወንጀል ክምደብ ወግዓዊ ሕቶ ቀሪቡ

ኣብ ሽወደን ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ምስ ብገበናዊ ንጥፈታት ዝፍለጡ ጉጅለታት፡ ከም ኣባል ኮይንካ  ምንቅስቓስ፡ ከም ገበናዊ ስራሕ ተመዲቡ ብሕጊ ተሓታቲ ዝገብር መስርሕ ክጅመር ናብ መንግስቲ እማመ ቀሪቡ።

እዚ ብሰልፊ ሞደራትና ዝቐረበ ሓድሽ እማመ፡ ነቲ ኣብ ሽወደን ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ምክልኻልን ምዉጋድን ጉጅላኣዊ ስራሓት ገበን ዝሕግዝ ተባሂሉ ስለዝተኣመነሉ ምዃኑ ሰብ መዚ ሕጊ እቲ ሰልፊ ኣፍሊጦም።

እቲ እማመ ኣብ ዝደለኻዮ ዉዳበታት ምዉዳብ ነቲ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል እዛ ሃገር ዝጋጮ ስለዝኾነ ምምሕያሽ  ቅዋም ሃገር ስለ ዝጠልብ፡ መንግስቲ መርመራ ክገብር ሕቶ ቀሪብሉ ኣሎ ክብል ኣፈኛ እቲ ሰልፊ ኣገንዚቡ።

መንግስቲ ብወገኑ እቲ ማዕጾ ዕጽዉ ኣይኮነን ብምባል ነቲ ቀሪቡ ዘሎ እማመ ንምርኣይን ምስ ብድሆታቱ ናብ ኮሚቴ ሕጊ ንምምራሕን ጸገም ከምዘይብሉ ኣረዲኡ።

ኣብ ጎረቤት ሃገር ደንማርክ ተመሳሳሊ መስርሕ ምቕያር ሕጊ ብምግባር፡ ዝኾነ ሰብ ምስ ጉጅለታት ገበን ብኣባልነት ይኹን ምትእስሳር ዝገበረ ሰብ ብገበን ዘሕትት ከምዝኾነ ይፍለጥ።     


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com