Friday , May 3 2024

ኣብ SFI ቋንቋ ሽወደን ንምምሃር ናይ ሰለስተ ዓመት ግዜ ገደብ ተጌሩ

Credit: Claudio Bresciani

ናይ ሰለስተ ዓመት ገደብ ግዜ ዝተገብረሉ ኮርስ “ሽወዲሽ ፎር ኢሚግሬንስ (SFI)” ምውሳድ፡ ናብታ ሃገር ዝመጹ ሓደስቲ ሰባት ቀልጢፎም ቋንቋ ሽወደን ንኽመልኩ ከም ዝገብር ካብ መንግስትን ሰልፊ ደሞክራስን ዘቕረቦ ሓድሽ እማመ ሓቢሩ። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ንምምሕዳራት ከተማ ዝግበር ተወሳኺ 100 ሚልዮን ክሮና ምወላ ሰባት ዘድልዮም ትምህርቲ ብዝግባእ ደረጃ ንኽረኽቡ ከረጋግጽ ኣለዎ ክብሉ እቶም ሰልፍታት ገሊጾም ኣለዉ። “ሓደ ስክፍታ ዝፈጥር ነገር እንተሎ ኣብ ትምህርቲ ዝያዳ ግዜ ዘድልዮም ተማሃሮ ውጥረት ክስምዖም ይኽእል እዩ” ክትብል ኣብ ሃገራዊ ማእከል ቋንቋ ሽወደን ከም ካልኣይ ቋንቋ ካሪን ሳንድዋል ኣመልኪታ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com