Saturday , May 4 2024
FILE - In this Saturday, May 15, 2021, file photo, an air bomb hits the building housing various international media, including The Associated Press, in Gaza City. Israel’s defense minister has distanced himself from comments made by his military chief after Israel bombed the Gaza Strip high-rise housing an Associated Press office and other news outlets. (Mahmud Hams/AFP via AP, File) NYSB131

ኣንጀሊና ጆሊ ንተግባራት እስራኤል ኣብ ጋዛ ኮኒና፣ 250 ፍሉጣት ሰባት ተኹሲ ደው ክብል ይሓቱ

ንነዊሕ እዋን ፍልይቲ ልእኽቲ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ኮይና ዘገልገለት ከምኡ’ውን ህብብቲ ተዋሳኢት ሆሊዉድን ነጣፊት ሰብኣዊ ሓገዝን ኣንጀሊና ጆሊ፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ዝወሰደቶ ወተሃደራዊ ስጉምትታት ብትሪ ነቒፋ። ብፍላይ ንሰብኣዊ ህልቂት ቓዛ ብምልዓል “ንልዕሊ ዕስራ ዓመታት ገፋሕ ቤት ማእሰርቲ ኮይና እያ ጸኒሓ” ክትብል ኣንጆሊና ተቓውሞኣ ኣስሚዓ’ላ። ክሳብ ህጂ ዝቕጽል ዘሎ ዘስካሕክሕ ክባን ደብዳብን ቓዛ፡ ንስነጥበባውያንን ፍሉጣት ሰባትን ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ሰባት ብብርቱዕ ከም ዝነቕፍዎ ዘመልክት እዩ። ጆሊ ኣብ ኢንስታግራም ኣብ ዝዘርግሓቶ መግለጺ፡ ብዕጽዋን ክባን እሞ ድማ ብጻዕቂ ዝነብር ህዝቢ ፍልስጤም ብደብዳብ ከይሃልቕ ስግኣት ከም ዘለዋ ብምግላጽ ን ተግባር እስራኤል ኮኒናቶ’ላ።

ንሳ፡ መራሕቲ ዓለም ከምዚ ዝበለ ገበን እናተገብረ ብስቕታ ምሕላፎም “ተሓባበርቲ” እቲ ገበን ከም ዝገብሮም ብምኽሳስ፥ ሰብኣዊ ምቊራጽ ተኹሲ ክግበር ጠሊባ’ላ። ሰራዊት እስራኤል ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ጃባልያ ብዘካየዶ ጽዑቕ ደብዳብ ኣስታት 1000 ዝበጽሑ ፍልስጤማውያን ጉድኣት ከም ዝወረዶምን ካልኦት ከኣ ምምዝባሎምን ዝፍለጥ እዩ። ብ7 ጥቅምቲ ብሓማስ ዝተገብረ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ እስራኤል ኣብቲ ውድብ ኲናት ኣዊጃ ንቓዛ ከተጥቅዕ ብምጅማራ 3 ሽሕ ህጻናት ዝርከብዎም ልዕሊ 9 ሽሕ ፍልስጤማውያን ምሟቶም ጸብጻባት የመልክቱ። ከምኒ ቤን ኣፍሌክ፡ ጂጂ ሃዲድ፡ ጀሲካ ቻስተይንን ድሬክን ዝርከብዎም ኣስታት 250 ከዋኽብቲን ህቡባት ሰባት ንምቊራጽ ተዂሲ ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ ክታሞም ንፕረዚደንት ባይደን ድሕሪ ምርካብ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ እትገብሮ ጃምላዊ ደብዳብ ደው ክብል ጸዊዖም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com