Sunday , May 5 2024
Afghan women with their children arrive with other migrants and refugees (AP Photo/Petros Giannakouris) XPG103

ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ካብ ኣፍጋኒስታን ክመጽእ ዝኽእል ዋሕዚ ስደተኛታት የሻቕሎ

ጣሊባን ንመላእ ኣፍጋኒስታን ድሕሪ ምቊጽጻሮም፡ ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ካብ ኣፍጋኒስታን ዋሕዚ ስደተኛታት ከይኽሰት ሻቕላ ከም ዝፈጠረሉን ነዚ ክመጽእ ዝኽእል ዋሕዚ ስደተኛታት ክገትእ ድሌት ከምዘለዎ ካብ Politico ን ሮይተርስን እተረኽበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ንኩነታት ኣፍጋኒስታን ኣመልኪቱ፡ ሎሚ ሰሉስ፡ ኣብ ከተማ ብራስለስ ኣብ ዝግበር ኣኼባ እዚ መግለጺ ክቐርብ እዩ ዝብል ትጽቢት ምህላዉ ተፈሊጡ። ብመሰረት ሮይተርስ፡ ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ካብ ኣፍጋኒስታን ክመጽእ ዝኽእል ቀይዲ ዘይብሉ፡ ዘይሕጋውን ገዚፍን ዋሕዚ ስደተኛታት ከይኽሰት ነቒሑ ክከታተል እዩ።

ንቐዳም ክዳሎ እዩ ተባሂሉ ዘሎ ንድፊ ሚኒስተራት፡ ካብ ኣፍጋኒስታን ናብ ልዕሊ ዜጋታት ኣውሮጳዊ ሕብረት ክመጽእ ይኽእል እዩ ዝበልዎ ጸጥታዊ ሽግራት ንምክልኻል ልዝብ ከካይዱ እዮም። እዚ ነቶም ካብ ኣፍጋኒስታን ግዒዞም ዝመጹ እውን ዘጠቓልል ጸጥታዊ ሓለዋ ክኸውን እዩ።

ኣብ ብርክት ዝበሉ ክፋላት ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ከምቲ ኣብ 2015 ዝነበረ ዓይነት ዋሕዚ ሶርያውያን ስደተኛታት፡ ሕጂ ውን ናይ ኣፍጋናውያንን ስደተኛታት ዋሕዚ ከየጋጥም ዓብዩ ስግኣት ሓዲሩ’ሎ።

ብሰንኪ ዘይንቡር ዋሕዚ ስደተኛታት፡ ኣብ ብርክት ዝበለ ክፋላት እቲ ሕብረት፡ ጽልኢ ስደተኛታት ከም ዘስዓበን ምንጪ ፖለቲካዊ ምክፍፋል ይኸውን ከም ዘሎን ጸብጻባት የመልክቱ።

ኣብቲ እዋን’ቲ፡  ሽወደንን ጀርመንን ዝበዝሐ ብጽሒት ስደተኛታት ከም ዝወሰዳ ድማ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com