Thursday , May 2 2024
(AP Photo/Darko Vojinovic) XVLM130

ኣውሮጳዊ ሕብረት ንስደተኛታት ዩክሬይን ግዜያዊ ሓለዋ ክህቦም እዩ።

ኣባል መንግስታት ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ካብ ዩክሬይን ንዝሃድሙ ዘለዉ ስደተኛታት ግዜያዊ ሓለዋን ፍቓድ መንበሪን ክህባ ከም ኣተሰማምዓ ኣጃንስ ፍራንዝ ፕረስ ገሊጹ።

ዛጊት ብሚልዮናት ዝቚጸሩ ስደተኛታት መዕቆቢ፡ ስራሕን ደቆም ትምህርታዊ ኣገልግሎት ንኽረኽቡን ብምባል ናብ ኣባል ሃገራት ኣውሮፓዊ ሕብረት ክኣትዉ እዮም ዝብል ትጽቢት ከም ዘሎ ንኮሚሽነር ዪልቫ ጆሃንሰን ብምጥቃስ እቲ ማዕከን ዜና ወሲኹ ገሊጹሎ።

ኮሚሽነር ዪልቫ ነቲ ውሳነ ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ ቃል “ኲልና ኣባላት ኣውሮጳዊ ሕብረት ህይወት ንምድሓን ብሓባር ቈምን ኣለና” ኢላ’ላ።

ዛጊት ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ዩክሬናውያን ካብ ሃገሮም ምስዳዶም ካብቲ ዞባ ዝወጹ ጸብጻባት የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com