Saturday , May 4 2024

ኣድማ ሰራሕተኛታት መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ንምፍታሕ ልዝብ ይካየድ ኣሎ።

ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ድሕሪ ዝተገብረ ልዝብ፡ ኣብ መንጎ መንገዲ ኣየር ስካንዲቭያን ማሕበር ፓይለታት እቲ መንገዲ ኣየርን ስምምዕ ንምብጻሕ ቀሪቦም ከም ዘለዉ ተገሊጹ።

“ኣብ ዝቐልጠፈ ኣብ ስምምዕ ክንበጽሕ ኢና”፡ ክትብል ዋና ኣዛታዪት እቲ መንገዲ ኣየር ማርያን ሀርነስ ን ኣገልግሎት ዜና ተተ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ኣመልኪታ’ላ።

ሎሚ ተጌሩ ዘሎ ዙር ዘተ፡ ጽቡቕ ከም ዝተሳለጠን፡ ምናልባት’ውን ናይ መወዳእታ ክኸውን እዩ ዝብል ግምት ከም ዘለዎን ኣብ ማሕበር ፓይለታት ሓላፊ መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ (ክፋል ሽወደን) ፡ ማርቲን ሊንድግረን ን ኣገልግሎት ዜና ተተ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com