Saturday , May 4 2024

ኣገልግሎት ፖስታ ሽወደን ፖስትኖርድ ናብ ዩክሬን ዝያዳ ፓኬጃት ክንክን ክረክብ ይጽበ።

Mads Claus Rasmussen/TT

ሽወደናውያን ካብ ምጅማር ምሉእ ወራር ሩስያ ኣትሒዞም ኣስታት 94 ሽሕ ፓኬጃት ክንክን ናብ ዩክሬን ሰዲዶም። ኣገልግሎት ፖስታ ሽወደን “ፖስትኖርድ” ነዞም ፓኬጃት ካብ ውልቀ ሰባት እናተቐበለ ብነጻ ክሰዶም ጸኒሑ እዩ። “ካብ ቊሪ ዝከላኸል ክዳን፡ ጓንቲ፡ ካልሲ፡ ውሽጣዊ ክዳን … እቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ኣዝዮም ዘድልዩ ነገራት እዮም” ይብል ኣካያዲ ህዝባዊ ጉዳያት ፖስትኖርድ ሄንሪክ ኢሺሃራ። ብኻልእ መዳይ ሽወደናውያን ክኢላታት ሃንደሳ ንዩክሬናውያን የሰልጥኑ’ለዉ። ኣብ ሓደ ፕሮጀክት ኖርዲክ፡ ክኢላታት ሽወደን ን 48 ዩክሬናውያን፡ ነተጉቲ ብኸመይ ከም ዝጽርዩ ዝያዳ ስልጠና ይህቡ ኣለዉ። እቶም ስልጠና ዝረኽቡ ድሕሪኡ ነቲ ፍልጠት ኣብ ዓዶም ናብ ካልኦት ከሕልፍዎ–በዚ ድማ ብሓይልታት ሩስያ ዝተዘርአ ነተጉቲ ክጽረጉ ከኽእሎም እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com