Wednesday , May 1 2024

ኣገባብ ምቚጻር ስራሕን ምዕቃብ ሰራሕተኛታት ንምምሕያሽ ይስራሕ ኣሎ።

Credit: Simon Rehnström/SvD/TT

ኣብ ሆስፒታላት ዝህሉ ኣገባብ ምቚጻር ከምኡውን ቀጻልነት ሰራሕተኛታት ንምምሕያሽ ይስራሕ ምህላው ተገሊጹ። ነዚ ዘሰላስል ዘሎ “ማግኔት ሞዴል” ዝተሰምየ ሓደ ኣውሮጳዊ ናይ መጽናዕቲ ፕሮጀክት እዩ። ሆስፒታላት ብኸመይ እዮም ሰራሕተኛታቶም ዓቂቦም ክኸዱ ዝኽእሉ ኣብ ዝብል ብምትኳር ይሰርሕ ምህላዉ እውን ተመልኪቱ። ነርስታት ብኸመይ ኣብ ተራ መሪሕነት ይመጻ፡ ዝያዳ ስልጠና ስታፍ ብኸመይ ይወሃብ፡ ዝብሉ ዛዕባታት ዕላማ እዚ መናዕታዊ ፕሮጀክት እዮም ተባሂሉ’ሎ።

ዩኒቨርስቲ ሆስፒታል ስካነ፡ ሓደ ካብቶም ኣብዚ ፕሮጀክት ዝሳተፋ ዘለዋ 60 ሆስፒታላት እዩ።

ኣብዚ ፕሮጀክት መጽናዕቲ ብጠቕላላ 4 ሆስፒታላት ሽወደን ይሳተፋ’ለዋ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com