Thursday , May 2 2024

ኣፍረይቲ ፍረታትን ኣሕምልትን ብ ሱፐርማርኬታት ንውጻዕ ኣለና ክብላ ይኸሳ

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዋጋ ፍረታትን ኣሕምልትን ኣዝዩ ከምዝወሰኸ መዐየሪ ዋጋ ሃለኽቲ ኣመልኪቱ። ንኣብነት ኮሚደረ፡ ሕጂ ካብቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝነበረ ብ 47% ዋጋ ወሲኹ’ሎ። ኣፍረይቲ ግን ዝረኽብዎ መኽሰብ ትሑት ብምዃኑ ስርሖም ደው ከብሉ ይቕሰቡ ምህላዎም እዮም ዝገልጹ። እቲ ቀንዲ ምኽንያት እዚ ኣሸጋሪ ኲነታት ዕዳጋ ዓበይቲ ሱፐርማርኬታት እኹል ክፍሊት ይገብራ ዘይምህላወን እዩ ክብሉ ከም ዝወቕሱ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ። ሰንሰለት ሱፐርማርኬታት “ኢካ” ብዛዕባ ንውልቀ ኣፍረይቲ ዝገብሮ ክፍሊት ርእይቶ ክህብ ኣይደለየን፡፡ እንተኾነ ግን ምሉእ ጽላት መፍረ ኣሕምልቲ ብወሰኽ ዋጋ ኣዝዩ ብኣሉታ ይጽሎ ምህላዉ ኣመልኪቱ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com