Saturday , May 4 2024

ኣፍኣውን ኣካላውን ዘረባ (body language)

ኣማኑኤል ሳህለ

ሓደ ሰብ ኪዛረበና ከሎ ወይ ምስኡ ከነውግዕ ከሎና፡ ስለምንታይ ኢና ገጹ ክንሪኦ እንደሊ? ነቲ ብደገ ኮይኑ ኪዛረበና ዚደሊ ሰብ እውን፡ እቶ ኢና እንብሎ። ከምዚ መግበሪና ምኽንያት፡ ነቲ ዘረባ ካብቲ ኣፉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ገጹን ነቲ ኣካላቱን ብምዕዛብ ነቲ ዘቕርቦ ዘሎ ሓበሬታ ክንግምግሞ ስለ እንደሊ እዩ።

ሓደ ህጻን ንኣዲኡ ገለ ሃብኒ ኢሉ ምስ ዚሓታ፡ ንሳ ኸኣ ከም ዘይትህቦ ምስ እትነግሮ፡ ካብቲ ዘረባ ንላዕሊ ነቲ ገጻ እዩ ከንብቦ ዚደሊ። ምኽንያቱ ድማ፡ እቲ ኣዲኡ ብድምጺ እተመሓላልፎ ዘላ ሓበሬታ ብእዝኑ ሰሚዑዎ እዩ፡ ግን በቲ ገጻ እንታይ እትብል ከም ዘላ ንምፍላጥ፡ ቀጻሊ ይጥምታ። ብልባ ዲያ ወይስ ብኣእምሮኣ እያ እምቢ እትብል ዘላ? ጸሊኣቶ ዲያ ወይስ ስራሕ ስለ ዝበዝሓ እያ እምቢ እትብሎ ዘላ።

ብተወሳኺ’ውን ነቲ ቃና ኣዘራርባኣን (tone) ነቲ ብርታዐ ድምጻን (pitch) ይመዝኖ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ገምጋም ምውሳድ ይሕግዞ። ናይ ልባ ዲያ ወይስ ስቕ ኢላ እያ፡ ብምባል ግምት ይወስድ።

ኣፍኣዊ መልእኽቲ ካብ ኣእምሮ ኪብገስ ከሎ፡ ገጻዊ መልእኽቲ ግን ካብ ‘ልቢ` እዩ ዚብገስ። እቲ ናይ ሓቂ መልእኽቲ ድማ እቲ ካብ ‘ልቢ’ ዚብገስ እዩ። እቲ ህጻን ድማ ነዚ እዩ ኣብ ገጽን ኣብቲ ድምጽን ኣንጸባሪቑ ዚርእዮን ዚትርጉሞን። ገጽ ሰብ፡ ናይ ልቢ መስትያት ብምዃኑ፡ ናይ ሓቂ ፍሽኽታን ናይ ሓሶት ፍሽኽታን ከይተረፈ ከነለሊ ንኽእል ኢና።

”እዚ ቆልዓ ብፍጹም ኣይእዘዝን እዩ፡ ግደፍ ኢልካዮ ኣይሰምዕን” ዚብላ ኣዴታት ብዙሓት እየን። ይኹንምበር፡ እቲ ህጻን ኣብቲ ካብ ኣፈን ዚወጽእ ትእዛዝን፡ ኣብቲ ኣብ ገጸን ዚረአ ስዉር መግለጺታትን (facial expressions) ገለ ፍልልያት ስለ ዝርእይ፡ ነቲ ሓበሬታ ከም ወሳኒ ገይሩ ኣይወስዶን እዩ፡ ዚግባኦ ዕቱብነት እውን ኣይህቦን እዩ። ነቲ ዘረባ ድማ ”ናይ ልቢ ኣይኮነን፡ ንግዜኡ ከልግስ ስለ እተደለኹ እየ” ዚብል ትርጉም ይህቦ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ እቲ ዚህቦ ትርጉም ቅኑዕ እዩ።

እቲ ኣፍ ‘ውጻእ’ እናበለ፡ እቲ ገጻዊ ቋንቋ ‘እቶ’ ኪብል ይኽእል እዩ። ኣብ ገጽና 43 ጭዋዳታት ኣለዉ ይብሃል፡ በዚኣቶም ጌርና ድማ (ምስ ናይ ኣዒንትና ምንቅስቓ ብምሕዋስ) 20 ስምዒታት ክንገልጽ ንኽእል ኢና። ህጻናት ‘ገጻዊ ቋንቋ’ ናይ ምንባብ ብቕዓቶም ኣዚዩ ዓቢ እዩ።

ኣደይ እከለ ንደቀን ብኣዒንተን እየን ዚቐጽዓ ይብሃል እዩ። ዘረባ ኣየድልየንን፡ ኩሉ ብኣዒንተን ገይረን ይውድኣኦ። ከምዚ ኪብሃል ከሎ፡ ነቲ ኣዒንታዊ ጭዋዳታት ብእተፈላለየ መገዲ ብምልውዋጥ፡ ነቲ መልእኽተን የመሓላልፋ ማለት እዩ። ብኣንጻሩ ድማ ኣደይ እከለ ምሉእ መዓልቲ ግዒረን ደቀን ኣይሰምዑወንን እዮም ይብሃል። ከምዚ መኾኒኡ ድማ፡ እቶም ደቀን ካብቲ ገጸን ብምንባብ፡ ወይ ድማ ልበን ስለ ዚፈልጡዎ፡ ተገዳስነት ኣይህቡወንን እዮም ማለት እዩ።

ፈጣሪ ቀጺዑ ይሃብካ ዚብል ኣዘራርባ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ናይተን ብኣፈን እምበር ብልበን (ብገጻዊ መግለጺ) ኪቐጽዓ ዘይክእላ ኣዴታት ልሙስ ምኽንያት እዩ።

ገለ ሰባት ወይ ህዝቢ ድማ ኣለዉ ኣእዳዎም ከይተገልገሉ ኪዛረቡ ዘይክእሉ። ነቲ ኣእዳዎም ከም ተወሳኺ ሓበሬታ ወይ ነቲ ዚብሉዎ መደልደሊ ወይ መፍኮሲ ወይ  ኣገዳስነቱ ንምንጽብራቕ እዮም ዘወሳውሱዎ። በዚ ልምድ’ዚ ኣዚዮም እተፈልጡ ህዝቢ፡ ጣልያን እዮም። ጣልያናዊ ኪዛረብ ከሎ፡ ኢዱ ከየንቀሳቐሰ ኣይኮነሉን እዩ።

በዝን ክድንዝን ከኣ እዩ (ሓሶት ይኹን ሓቂ ኣየረጋገጽኩን) እታ ፍልጥቲ ኢጣልያዊት ናይ ፊልም ተዋሳኢት፡ ሶፍያ ሎረን፡ ኣብ ሓደ ንወጻኢ ህዝቢ ዚምልከት ፊልም ክትዓዪ ከላ፡ ኣብ ገሊኡ ክፋላት ናይቲ ዕዮ ፊልም፡ ኣእዳዋ ኪኣስሩዋ ተገዲዶም ነይሮም ይብሃል። ብኣኣዳዋ ስለ እትዛረብ!!!

ኢድካ እናሓዙ ወይ እናጨባበጡ ዚዛረቡ ሰባትከ ኣጓኒፎምኹም ይፈልጡዶ? ብሓደ ወገን፡ ምጥዓም ደኣ ስኢኑዎም እምበር፡ ነቲ ኣፍካ ኪሓትሙዎ እዩ ዕላማኦም። ግን ኣብ ክንዲ ነቲ ኣፍካ ዚሓትሙዎ፡ ነቲ ከም ኣፍ ኮይኑ ዘገልግል ኣእዳውካ ብምሓዝ ብገለ መገድስ ስቕ ከብሉኻሞ ባዕሎም ንበይኖም ኪዛረቡ ይደልዩ ኣለዉ ማለት እዩ።

ገለ መራሕቲ ሃገራት ወይ ዲፕሎማሰኛታት ሃገራት ምስቲ መዘናኦም ሰላም ኪብሃሃሉ ከለዉ፡ ወይ ድማ ኮፍ ኢሎም ንምይይጥ ኪዳለዉ ከለዉ፡ እተን ኣእዳዎም ባዕለን ይዛረባ እየን። እቲ ሰላም ኣበሃህላ ናይ ትዕቢት ድዩ፡ ናይ ጎይትነት ዲዩ፡ ናይ ትሕትና ዲዩ፡ ናይ ቀለልትነት ዲዩ፡ ናይ ፍዅሰት ዲዩ፡ ርዝነት ኣለዎዶ? ኮፍ ኢሎም ከለዉኸ፡ እቲ ጉምቦ-ኣእዳዎም ከመይ ኢሉ ኣሎ? ተጨቢጡ ዲዩ፡ ተዘርጊሑ ዲዩ ወዘተ። እዚ ኩሉ ናይ ውሽጦም ኩነታት ይገልጽ እዩ። ኣፎም ዚብሎ ካልእ፡ ኣእዳዎም ዚብሎ ካልእ። ንኣብነት ናይ ፕረሲደንት ትራምፕ ሰላም ኣበሃህላ (ናይ ኢድ ኣጨባብጣ)፡ ናይ ‘ኣነ ካባኻ እበልጽ እየ፡ ኣያኻ እየ’ ዚብል መልእኽቲ ኣለዎ ኪብሃል ኣንቢበ ኣሎኹ። ናይ ገሊኣቶም ድማ ‘በጃኻ ጉዳየይ ኣሳልጠለይ እምበር ወላ ዓደይ ሸይጠ ክህበካ እየ’ ዚብል እዩ ዚመስል።

ንህጻን፡ ሓቂ ዲዩ ወይ ሓሶት ይዛረብ ምህላዉ ንኽትፈልጥ፡ ገጸይ ረኣየኒ፡ ዓይነይ ረኣየኒ ትብሎ ኢኻ። ትኽ ኢሉ ዓይንኻ ዘይርእየካ እንተ ኾይኑ፡ ይሕሱ ኣሎ ማለት’ዩ፡ ከመይሲ፡ ናብ ዓይንኻ ምስ ዚርኢ፡ ነቲ ኣዓንቱ ተንብቦ ዘሎኻ ኮይኑ ስለ ዚስምዖ፡ ይፈርህ እሞ፡ ኪጥምተካ ኣይደልን።

ግን ከኣ ኣብዚ ዓለም፡ ክንደይ ዓይኒ-ኣውጽኢ ኣለዉ። ንሳቶም ሓሰውቲ ከለዉስ፡ በቲ ናይ ዓይኒ ኣንቁሪ ድፍረቶም፡ ንዓኻ ሓሳዊ የምስሉኻ። ዝበዝሑ ዕዉታት ጎሓሉን ሰረቕት ፈገራግርን፡ ዓይኒ-ኣውጽኢ እዮም።

ቋንቋ ንምንታይ እዩ ተፈጢሩ ንዚብል ሕቶ፡ ኩሉ ሰብ ዚህቦ መልሲ ”መልእኽቲ ንምትሕልላፍ to communicate” እዩ፡ ዚብል እዩ። ግን ገለ ተመራመርቲ ድማ፡ ኣይፋልን፡ ዕላማ ቋንቋ ሽሕኳ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ እንተ ኾነ፡ ወድሰብ ግን ነቲ ክዉን መልእኽቲ ሓቢኡ ነቲ ኪስምዓሉ ወይ ኪበጽሓሉ ዝደልዮ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ እዩ ዚጥቀመሉ ይብሉ። ብሓጺሩ፡ ምስ ሰብ ክንዘራረብ ከሎና፡ ዝብዝሕ ግዜ፡ ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎሞ ክንዛረቦ ዚግበኣና ሓቢእና፡ ንኣኡ ንምሽፋን ነቲ ሓበሬታና ቆራሪጽናን ቀማቒምናን ጎማሚድናን ንሓንሳእ ድማ ኣጸባቢቕናን ኣቃሚምናን እነቕርበሉ ኣጋጣሚታት ከም ዚበዝሕ፡ ናይ ስነልቦና ተመራመርቲ ይገልጹ።

ቋንቋ፡ መልእኽቲ ዘመሓላልፍ መሳርሒ እንተ ኾነኳ፡ ሓደ ሰብ ግን በቲ ዚብሎ ዘይኮነስ በቲ ዘይብሎ እውን መልእኽቲ የተሓላልፍ እዩ። ንሓደ ሰብ ውሽጡ ንኽትፈልጥ፡ እንታይ ኢዩ ኢሉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እንታይ ኢዩኸ ዘይበለ ኢልካ ምሕታት እውን ኣድላዪ እዩ። ንኣብነት፡ ኪዛረብ ከሎ፡ ሓደ ኣገዳሲ ጉዳይ ዘሊሉዎ ወይ ከይገለጾ እንተ ሓሊፉ፡ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ እንታይ መርገጺ ከም ዘለዎ ምግንዛብ ይከኣል እዩ።

ሓድሓደ ግዜ፡ ስቕ ምባል’ውን ባዕሉ መልሲ እዩ። ብተወሳኺ’ውን ካብ ምዝራብ ንላዕሊ ሓይሊ ከም ዘለዎ ኪፍለጥ ይግባእ። ንሓደ ሰብ ውሑድን ብዙሕን ከምኡውን ካብ መስመሩ ውጽእ ብዝበለ ኣገባብ ኪዛረበካ ምስ ጸንሐ፡ ስቕ ኢልካ ክትሰናበቶ ከሎኻ፡ ካብ በትሪ ንላዕሊ እዩ። ዘረባኻ ዋጋ የብሉን፡ ኢኻ እትብሎ ዘሎኻ።

ስለዚ፡ ስቕ ምባል እውን ንርእሱ ዓቢ ናይ መልእኽቲ መተሓላለፊ ኣገባብ እዩ ክንብል ንኽእል ኢና።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com