Thursday , May 2 2024

ኤውሮጳዊ ኤጀንሲ መድሃኒት፡ ሓድሽ ክታበት ኣብ ምግምጋም ከምዝርከብ ሓቢሩ

ኤውሮጳዊ ኤጀንሲ መድሃኒት  (EMA)፡ ነቲ ብኣሜሪካዊ ኩናንያ ኖቫቫክስ ዝፈረየ ጸረ ኮሮና ክታበት፡ ኣብ ምጽናዕን ምግምጋም ከምዝርከብ ኣፍሊጡ።

ሽወደናዊ ኤጀንሲ መድሃኒት፡ ብዛዕባ ኣድማዕነት ይኹን ውሕስነት ናይዚ ሓድሽ ክታበት፡ ክሳብ ሕጂ ዝተሓበረ ነገር ከምዘየለ ድሕሪ ምግላጽ፡ ብኤውሮጳዊ ኤጀንሲ መድሃኒት ዝዋሃብ ተቐባልነት፡ መዓስ፡ ከምዝኸውን ኣይተፈልጠን ክብል ከምዝገለጸ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ሓደ ብሪጣንያዊ መጽናዕቲ፡ ኣድማዕነት ፍርያት ኖቫቫክስ ዝኾነ ክታበት፡ ኣንጻር ኮሮና ቫይረስ፡ ክሳብ 89.3% ከምዝኾነ ሓቢሩ ምንባሩ ይፍለጥ።

ክሳብ እዚ እዋን፡ ኤውሮጳዊ ኤጀንሲ መድሃኒት፡ ንፍርያት ኩባንያ ኖቫቫክስ ወሲኽካ፡ ንሓሙሽተ ክታበታት ግምገማ ምግባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ንፍርያት ኩባንያታት ፋይዘር፡ ሞደርናን ኣስትራ ዚኒካን ተቐባልነት ክህብ እንከሎ፡ ፍርያት ኩባንያ ጆንስ ኤንድ ጆንስ ግን ኣብ ግምገማ ከምዝርከብ ጸብጻባት ይሕብሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com